ቅልውላው ሆርሙዝ ንዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ናብ ድኽነት ክደፍኦም ይኽእል እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ኣንቲዮኒዮ ጉተረስ ብስነ ሜላዊ መስመር ባሕሩ ብናጻ ምሕላፍ ዝግበር ገደብ ንኣወሃህባ ነዳዲ፣ ጋዝ፣ ድኹዒን ካልኦት ወሳኒ ኣቑሑትን ይዕንቅፍ ከምዘሎን እዚ ድማ ነቲ ድሮ ተበላሽዩ ዘሎ ዓለማዊ ቁጠባ ከቢድ ጸቕጢ የስዕብ ምህላዉ ይገልጽ። ብመሰረት ትንበያታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዋላ’ውን ምዝንባዕ መራኽብን ንግድን ብቕጽበት እንተተቛሪጹ፡ ሰንሰለታት ቀረብ ንኣዋርሕ ኣብ ጸገም ክጸንሕ እዩ።
ዓለማዊ ዕብየት ቁጠባ ካብ 3.4% ናብ 3.1% ክወርድ፡ ዝቅባበ ማለት ዋጋ ገንዘብ እውን ናብ 4.4% ክወርድን ንግዲ ድማ ኣዝዩ ክዝሕትልን ምዃኑን፡ እዚ ድማ ነተን ገና ካብቲ ለበዳን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዝሓውያ ዘለዋ ሃገራት ቁጠባ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዝኸውን ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረጋግጽ።
ትካላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ቅልውላው ዝግ ንምባል ይጽዕራ ኣለዋ
ሓላፊ ኣገልግሎት ውጥናት ሕቡራት ሃገራት፡ ክህሉ ዝኽእል ሰብኣዊ መተሓላልፎ ዝድህስስ ሓይሊ ዕማም ይመርሕ ከም ዘሎን ኣህጉራዊ ውድብ ባሕሪ ድማ ውሑስ መተሓላልፎ ባሕሪ ክረጋገጽ እንተኽኢሉ መራኽብን ሰራሕተይናታትን ካብቲ ቦታ ንምውጻእ ዘክእል መደባት የዳሉ ኣሎ፡
መጥቃዕቲ ኢራን፡ ስግኣታትን እገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ወደባት ኢራን ክሳብ መፋርቕ ዓመት እንተቐጺሉ እቲ ሳዕቤን ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኸውን ግምታት ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ 32 ሚልዮን ሰባት ናብ ድኽነት ክብሉ ከምዝኽእሉ፣ ሕጽረት ድኹዒ ምህርቲ ዘራእቲ ከጉድል፣ ብተወሳኺ 45 ሚልዮን ሰባት ጽንኩር ጥሜት ከምዘጋጥሞምን ከምኡውን ንዓመታት ዝጸንሐ ናይ ምዕባለ ረብሓታት ክድምሰስ ከም ዝኽእል የመላኽት።
ናታን ሞርሊ ኣብ ፊንላንድን ቆጵሮስን ዝመደበሩ መርማርን ዝጋብን ጋዜጠይና፣ ኣቕራቢ መደብ ተለቪዥንን ኣዳላውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣማእኪሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ እቲ ዝኸፍአ ዅነታት - ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ከቢድ ምዝንባዕ ዘለዎ - ሰፊሕ ቍጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ጽልዋታት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ ቕልውላው ከጋጥም ምዃኑ ብምምልካት፡ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሳዕቤናት እቲ ቕልውላው እናወሰኸ ዝኸይድ ደኣ እምበር ዝውህለል ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እገዳታት ነቲ ጕድኣት ንምቕያር ኣጸጋሚ ኸም ዚገብሮ ከም ዘጠንቀቐ እውን ኣብሪሁ፡ ኩሎም ወገናት ናይ ባሕሪ መሰላት ከውሕሱን ዓለምለኻዊ መስመራት ቀረብ ንምርግጋጽ ነቲ ወሽመጥ እንደገና ክኸፍቱን ድማ ኵነታት ቁጠባ ዓለም ዝሓቶ ምዃኑ የጒልሕ፡
ቍጠባዊ ነውጺ ድሮ ይሰፍሕ ኣሎ
መንግስታት ሕጽረት ነዳድን ጋዝን ክህሉ ከም ዝኽእል ዘሎ ስግኣት ኣብ ዝገጥሞምሉ ዘለዉ እዋን፡ ዕለት 30 ሚያዝያ ንሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ከባቢ ዋጋ 118 ዶላር ከም ዝበጸሐብ=ን። ደቡባዊ ምብራቕን ደቡብ እስያን ቀዳማይ ዝተሃሰየ ከባቢ ዓለም እውን እንተኾነ፡ ኤውሮጳውያን መራሕቲ መካይን እውን እቲ ጸቕጢ ይስምዖም ከም ዘሎ ሞርሊ ሓቢሩ። ጉዳያት ቁጠባ ሽማግለ ሕቡራት ሃገራት ንኤውሮጳ፡ እዚ ቅልውላው፡ ኣብ ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ንዝምርኮስ ቁጠባ ዘለዎ ተቓላዕነት ዘጉልሕ ምዃኑ ኣጒሊሑ፡ እቲ ትካል፡ ሃገራት ኣብ መሳለጥያታት ነዳድን ጋዝን ብሰፊሑ ኣብ ናይ ከሰል መዐደኒታት ዝርከብ ብቐሊሉ ዝነድድ ጋዝ ሓዊሱ ብኽነት ንምንካይን ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ንምስግጋር ንምቅልጣፍን ይደፍእ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንከባብያውን ጸጥታውን ረብሓታት ዝህብ እዩ እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።