ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 200 ኢትዮጵያውያን ንሞት ተፈሪዶም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ልዕሊ 200 ኢትዮጵያዊ መበቈል ዘለዎም፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝኾኑ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክቕተሉ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ብኢንተርነት እትሕተም ጋዜጣ "ኣዲስ ስታንዳርድ" ካብ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ትግራይ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ኢዩ። ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማለት ዓውዲ ዕቝባ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሕ ትካል፡ ነዚ ቝጽሪ እዚ ብቐጥታ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። እንተኾነ ብዛዕባ እቶም ምስ ንግዲ ሓሽሽን ምሓዝን ብዝተተሓሓዘ ገበናት ተኸሲሶም ዝተፈርዱ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኻሚስ ሚሻይት ተኣሲሮም ዘለዉ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተዛሪቡ። ናይ ካልኦት ሰለስተ ናይ ሞት ፍርዲ ብዕለት 21 ሚያዝያ ድሮ ተፈጺሙ ኢዩ።
ካብ ኲናት ትግራይ ዝሃደሙ ኢትዮጵያውያን
ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኵነታት እቶም ሰለስተ እሱራት ብዝተሓሓዝ፡ ካብ ዝፈልጥዎም ሰባት ገለ ምንጭታት ክረክብ ክኢሉ። እዚ ከኣ፡ ስደተኛታት ምዃኖምን፡ ከም ሓቂ ከኣ ኣብቲ ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዞባ ትግራይ (ሰሜናዊ ኢትዮጵያ) ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ክሃድሙ ከም ዝኸኣሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ኢዩ። ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ ኣብቲ ብጂቡቲን የመንን ኣቢሉ ዚሓልፍ ፍሉጥን ሓደገኛን "ምብራቓዊ መስመር" ተጓዒዞም፡ ናብ መዓርፎኦም ቅድሚ ምብጽሖም፡ ካብ 2023 ክሳዕ 2024 ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዞባ ኣባሃ ተኣሲሮም ነይሮም። እቲ ኣብ ኢዶም ዝጸንሐን፡ ትሕቲ ቝጽጽር ዝኣተወ ጥረ ነገር ጫት ኰይኑ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣገደን፡ ኣብ ሕጋዊ ስርዓት እታ ሃገር ከኣ፡ ብዛዕባ ሓሽሽ ኣዝዩ ተሪር ሕግታት ኢዩ ዘሎ። እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝበቝል ቈጥቋጥ፡ እንተ ሓዪኽካዮ ምስ ኣምፌታሚን ዝመሳሰል፡ ንሰውነት ናይ ምድንዛዝ ሳዕቤን ዘለዎ ባእታ ዝሓዘ ኢዩ።
ናይ ካቶሊክ ጳጳስ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ጻውዒት
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካቶሊካዊ ጳጳስ ዓዲ ግራት ኣቡነ ተስፋሥላሴ መድኅን፡ ንሕይወት እቶም 200 እሱራት ንምሕላው፡ ንዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ትካላት ግብረ ሠናይን ልባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም ይርከቡ። "ከም መራሒ ሃይማኖት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይታ ብኣርኣያን ብኣምስልን እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝተፈጥረት ነፍሲ፡ ነቲ መሠረታዊ ክብራን፡ ዘለዋ ዓሚቝ ዋጋን፡ ከም ምስክር ኰይነ፡ ድምጸይ ዓው ኣቢለ እዛረብ ኣለኹ" ብምባም መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። ቀጺሎም ድማ፡ እምነትና ሕይወት ካብ ፈጣሪ ዝተዋህበት ውህበት ምዃናን፡ ዝተቀደሰትን፡ ዘይትገሃስን፡ ካብ ጥንሲ ክሳዕ ባህርያዊ ፍጻሜኣ ዕቝባ ዚግብኣ ምዃና ኢዩ” ዝምህረና ክብሉ ኣስሚሮምሉ።
ፍትሒ ብምሕረት ይኹን
ብፁዕ ኣቡነ ተስፋሥላሴ፡ ንልዑላውነት ሃገራትን፡ ንግዝኣተ ሕጊ ምሕላውን ኣድላዪ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ "ፍትሒ ብምሕረት ሚዛናዊ ምስ ዝኸውን ዝያዳ ውጽኢታዊ" ምዃኑ ኣጕሊሖም። ከም ሓቂ "ነዞም 200 ሰባት ምቕታል፡ ኪምለስ ንዘይከኣል ሕይወት ምጥፋእን፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረፉ ስድራ ቤታትም ልቢ ዚሰብር ጕድኣትን ኢዩ ዜመልክት። ድሮ እኳ ብዙሓት ብድኽነትን፡ ካብ መረበቶም ብምዝንባልን ይሳቀዩ ኣለዉ” ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።
ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝርርብ ተገብረ
ብፁዕ ኣቡነ ተስፋሥላሴ ቀጺሎም፡ "ንተወከልቲ ኣህጉራውያን ኣካላት "ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ህጹጽ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ዝርርብ ክጅምሩ ኣበርቲዕና ንሓትቶም ኣለና" ክብሉ ተማሕጺኖም። ከምኡ ውን "ኣብ ክንዲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምትብባዕ፡ ንምሕዳስን፡ ንስሓን፡ ድሕነትን ዘኽእል ኣማራጺታት ምድላይ” ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም። እቶም ህዝቢ ዝበሃሉ፡ ሕጻናትን፡ ወለድን፡ ኣሕዋትን፡ ኣሓትን ኢዮም። ሕይወቶም ካብ ዝዀነ ይኹን በደል ዚበልጽ ውሽጣዊ ዋጋ ኣለዎ። ስለዚ 'ሥልጣነ ፍቕርን ምሕረትን' ንምድንፋዕ ክንዓዪ የድልየና" ክብሉ ቃል ምሕጽንታኦም ዛዚሞም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተቐባልነት የብሉን
ብዕለት 24 ሚያዝያ ኣብ ግዝኣት ኢሊኖይስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ መበል 15 ዓመት ናይ ሞት መቕጻዕቲ እተሰረዘሉ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14: ኣብ ቺካጎ ናብ ዚርከብ መንበረ ጥበብ ደፖል ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣንጻር ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘለዋ ኣቕዋም ኣትሪሮም ደጊሞሞ። ምኽንያቱ ከኣ "ሓባራዊ ረብሓን፡ ፍትሒ ንዝጠልቦ ብቕዓታት ምሕላውን፡ ነዚ ናይ ሞት ፍርዲ ከየተግበርካ ስለ ዝከኣል ኢዩ” ክብሉ ቅዱስነቶም ገሊጺም። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን "ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ወድሰብ ካብ ጥንሲ ኣትሒዛ ክሳዕ ባህርያዊ ሞት፡ ዝተቀደሰትን፡ ክትዕቀብ ዚግብኣን ምዃና ወትሩ ምስ መሃረት" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብ2018 ዝጸደቐ "ሓድሽ ንድፊ" ናይ መዝገበ ሃይማኖት፡ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤት-ክርስትያን፡ ቍጽሪ 2267 ብምጥቃስ "እቲ ዝኸፍአ ገበን ምስ ተፈጸመ እውን፡ ክብረት እቲ ሰብ ኣይጠፍእን ኢዩ።" እቶም በደልቲ ሕይወቶም ከድሕኑ ተኽእሎ ኣለዎም። ቤተ-ክርስትያን ድማ "ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ንዘይግሃስን፡ ክብርን፡ እቲ ሰብ ስለ ዘጥቅዕ፡ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ትምህር" ክብሉ ገሊጾም። ቅድሚ እታ መዓልቲ ብዕለት 23 ሚያዝያ ካብ መገሻ ናይ ኣፍሪቃ ክምለሱ ከለዉ፡ ኣብ ነፋሪት ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ክህቡ ከለዉ "ንዅሉ ዘይፍትሓዊ ተግባራት" ከም ዝዅንኖውም ገሊጾም። ወሲኾም ድማ "ንቅትለት ሰባት እዅንኖ ኣለኹ፣ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እዅንኖ ኣለኹ" ክብሉ ገሊጾም።