ዩኒሴፍ ኣብ ኢራን፡ ዋላ እኳ ተኹሲ ደው ምባል እንተሃለወ፡ ዓመጽ ኣብ ህጻናት ነባሪ ጽልዋ ክህልዎ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ እስራኤል፡ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ናይ ክልተ ሰሙን ስምምዕ ምቁራጽ መጥቃዕቲ፡ ናይ ህጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF ነቶም በቲ ግጭት ዝተሃስዩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ህጻናት ንምሕጋዝ ዝገብሮ ጻዕሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ዕለት 28 ለካቲት ጀሚሩ፡ ልዕሊ 1,100 ህጻናት ኣብቲ ዓመጽ ከም ዝቖሰሉ ወይ ድማ ከም ዝሞቱ ገሊጹ - እዚ ድማ 200 ኣብ ኢራን፡ 91 ኣብ ሊባኖስ፡ 4 ኣብ እስራኤልን 1 ኣብ ኩዌት ከም ዝተቐትሉን የረጋግጽ።
እዚ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስቶም ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ዝቕበሉ ድምጽታት ኣብ ዝጽንበረሉ ዘሎ እዋን፡ ዕለት 9 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ኣብ መጥቃዕትታት ዝግበር ዕረፍቲ፡ “ነቶም ዘይተኣደነ ስቓይ ዝተጻወሩ ኢራናውያን ህጻናትን ኣባይቲ ስድራን ተስፋ ንምምጻእ” ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ።
ንኹሎም እቶም ውሕስነት ክስምዖም ዝግብኦም ህጻናት
"ሰማይ እንደገና ካብ ነፈርቲ ውግእ ምስ ዓረፈን ስቕ ምስ በለን እቲ መጥቃዕትታት ድማ ምስ ተቛረጸ እቲ ዓመጽ ኣብ ቈልዑ ዘሕድሮ ጽልዋ ነባሪ ሳዕቤን ዘለዎ ብምዃኑ ኣትሒትካ ክርአ የብሉን" እንክብል ሓልዮ ህጻናት ትክላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምምልካት፡ ንነፍሲ ወከፍ ህይወቶም ዝጠፍአ ቘልዓ በቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ቈልዑ እዩ ዚዝከር፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም እቶም እተጐድኡ ሰባት ዓሚቝ ሓዘን ይገልጽ። "ኣብ ቤቶምን ኣብ ማሕበረሰቦምን ኣብ ክፍሎም ድሕንነት ኪስምዖም ዚግባእ ቈልዑን ኪመሃሩን ኪዓብዩን ኪሓልሙን ዚግባእ ቈልዑ።" ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኣባይቲ ስድራን ንማሕበረሰብን ንዅሎም እቶም ህይወቶም ንሓዋሩ እተቐየረ ሰባትን ኣብ ኣተሓሳስባኦም ከም ዚዕቅቡ እውን ይገልጽ።
ሓጋዚ ኢድ
ሓልዮ ህጻናት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ምጅማር እቲ ግጭት ኣትሒዙ ኣብ ኢራን ዘለዎ ንጡፍ ተልእኾ ዓቂቡ፡ ምስ መሻርኽቱ ብሓባር ብምስራሕ፡ ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ኣገልግሎት ጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ንዘድልዮም ህጻናትን ኣባይትስድራን ሓገዝ ይህብ።
እቲ ትካል፡ በቲ ግጭት ንዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ዳግማይ ንምርካብ ዝዓለመ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተቐመጡ ናውቲ ሕክምና፡ ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት ጥዕና፡ ቴንዳታት መባእታዊ ክንክን ጥዕናን ናውቲ ህጹጽ ጥዕናን ከም ዘዋፈረን፣ ብተወሳኺ ንህጻናትን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ጉጅለታትን ክታበትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ምሃብ ይቕጽል ኣሎ።
ሓልዮ ህጻናት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጸብጸቦ፡ ህጻናት ሎምን ዝቕጽልን “ጾር ናይቲ ግጭት ይሽከሙ” ከም ዘለዉን እቲ ውሑስን ነጻን ክኸውን ዝግብኦ ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ምንባር ተቐይሩ ምህላዉ ኣመልኪቱ፡ መሰረታዊ ድሌታት ምርካብ ድሩት እውን ምዃኑ የረጋግጽ። ሚኒስትሪ ጥዕና ኢራንን ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኢራን (IRCS) ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ መላእ ሃገር 442 ትካላት ጥዕና ከም እተሃሰየን፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት - 2.2 ሚልዮን ህጻናት ሓዊሱ - ኣገዳሲ ክንክን ክረኽቡ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ከም ዝርከቡ እውን የረጋግጽ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሻጃርሕ ጣየብህ ዝተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ልዕሊ 760 ኣብያተ ትምህርቲ ተሃስዮም ወይ ዓንዮም እዮም፡ እዚ መጥቃዕትታት እዚ ነቲ “ህጻናት ፍሉይ ክብሪ ዝወሃቦምን ካብ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ክሕለዉን ኣለዎም” ዝብል ዓንቀጽ 77 ናይቲ ተወሳኺ ወግዒ I (1977) ውዕላት ጀነቫ ዝጻረር እዩ ።
ብተወሳኺ፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ልዕሊ በርገሳውያን ትሕተ ቅርጺ ንህይወት ህጻናት ኣገዳሲ ዝኾነ መጥቃዕቲ ብጥብቂ ዝኽልክል እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝፍጸም መጥቓዕቲ ንመርበባት ማይን ጽሬትን ዝጎድእ ኮይኑ፡ ነዞም ስርዓታት ምጥፋእ ንህጻናት ኣብ ሓደጋ ሕማም የእትዎም፣ ሓይሊ ምጉዳል ድማ ንሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናትን ተቓላዕቲ ህጻናትን ዝግበር ደገፍ ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዩ።
መጻኢ ንነፍሲ ወከፍ ቆልዓ
መግለጺ ሓልዮ ህጻናት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ፡ "ምስ ናይ ሃገር ውሽጢ መደብ ብምትሕብባር ዝሰማማዕ" ደገፍ ናይቲ ትካል ዝያዳ ንምንዋሕ ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ የረጋግጽ። ማለት ኣብ ምርግጋጽ ጥዕናን ኣመጋግባን፡ ትምህርትን፡ ሓለዋ ህጻናት፡ ማይ፡ ጽሬትን መጸራረይን (WASH)፡ ህጹጽ ምላሽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ንዝርከቡ ሰባት ማሕበራዊ ሓለዋ ንምርግጋጽ ውፉይ እዩ።
ተልእኾኡ “ቆልዑን ኣባይቲ ስድራን ንኽሓውዩን ዳግማይ ንኽህነጹን ዘድልዮም ክንክንን ሓለዋን ደገፍን” ከም ዝረኽቡ ውሕስነት ምሃብ ዝብል ኮይኑ እዚ ድማ “ነፍሲ ወከፍ ህጻን ሰላም ዝግብኦ፡ ነፍሲ ወከፍ ህጻን መጻኢ ዝግብኦ” ምዃኑ ብምዝኽካር እዩ።