ድለ

ሱዳን ፡ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ጾታዊ ዓመጽ ከም ኣጽዋር ኲናት ምጥቃም ይኹንን ሱዳን ፡ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ጾታዊ ዓመጽ ከም ኣጽዋር ኲናት ምጥቃም ይኹንን 

ሱዳን ፡ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ጾታዊ ዓመጽ ከም ኣጽዋር ኲናት ምጥቃም ይኹንን

ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ትካል ዕለት 31 መጋቢት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዳርፉር ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዞባታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንገድታት ህድማን ኣብ ውሽጢ መአንገዲ መዓስከራትን ካብ ግህሰት ዝደሓኑ ሰባት ዘማእከለ ጸብጻብ ምስክርነት ከም ዘቕረበን፡ ሓደንቲ ኣባል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም "ነዚ ኲናት ንምምካት ደቂ ኣንስትዮ ምጥቃም ክቋረጽ ጻውዒት ተቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጾታዊ ዓመጽ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን (SAF)ን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ዝካየድ ዘሎ ግጭት ስፍሕ ዝበለ ኣካል ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ኣብ ዞባታት ውግእ ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ውግእ ኣብ ዝህደመሉ መገድታት ኣብ ውሽጢ ድሮ ንህይወት ኣብ ዝቃለሱ ዘለዉ ማሕበረሰባትን ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ይጸልወን ምህላዉ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም (MSF) ኣብቲ ዕለት 31 መጋቢት፡ “ክነግረካ ዝደልዮ ነገር ኣሎ: ኣብ ዳርፉር ካብ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ምድሓን፡ ብሓበሬታን ምስክርነትን ስርዓታዊ ጾታዊ ዓመጽ ከም ኣጽዋር ኲናት ምጥቃም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብምምልካት፡ ዝበዘሐ እቲ ዝፍጸም ዓመጽ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ስድራቤት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዘይኮኑ ማሕበረሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ ከም መጋበርያ ውርደትን ምፍርራሕን ዝውዕል እዩ። እዚ ዓመጽ ዝፍጸመሉ ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ራብዓይ ዓመቱ ዝኣቱ ዘሎ ኩናት ሱዳን እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ብጃምላዊ ቅትለት፡ ስቅያት፡ ማእሰርቲ፡ ከምኡ’ውን ብምዕናው ኣባይቲ፡ ኣባይቲ ሕክምናን ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጽን ልዑል ዋጋ ዝኸፍሉሉ ዘለዉ ግጭት እዩ።

ካብቲ ዓመጽ ምህዳም

ኣብ ታዊላ፡ ሰሜን ዳርፉር፡ እቲ ኲናት ኣብ 2023 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንመልክዓ ምድሪ እታ ሃገር ኣዝዩ ይቅይሮ ከም ዘሎን፡ ብዙሓት ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ካብ መላእ እቲ ዞባ ድሕነት ክደልዩ ተመዛቢሎም እዮም፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ነሓሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025፡ ድሕሪ ውድቀት ናይ ዳርፉር ማእከል ከተማ ኤል ፋሸር ዕለት 26 ጥቅምቲ፡ ሰፊሕ ዋሕዚ ሰባት ተመዝጊቡ እዩ። ስለዚ ከም ዳባ ናይራ ዝኣመሰሉ መዓስከራት ምስ ምምጻእ ሓደስቲ ተመዛበልቲ ኣባይቲ ስድራ እናሰፍሑ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ብዙሓት ሰባት ንመዓልታት ብእግሮም ድሕሪ ምጉዓዝን ድሕሪ ከቢድ ሓደጋን ናብ ታዊላ ይበጽሑ። እቲ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብኡ ውሑስ ቦታ ብምቛም ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮን ጾታዊ ዓመጽን ንምዝታይ፡ ሓበሬታ ንምሃብ፡ ስቃዮም ንምንካይን ግዳያት ሓገዝ ክደልዩ ንምትብባዕን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ይንገር።

97% ካብቶም ኣደዳ ዓመጽ ኾኑ ሰባት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን እየን

ኣብ መንጎ ጥሪ 2024ን ሕዳር 2025ን 3,396 ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠሞም ሰባት ናብ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣገልግሎት ናብ ዘቕርበሉ ቦታታት ከም ዘቕንዑን ካብዚኣቶም 97 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዋልድን ህጻናትን ከም ዝኾኑን ብዕጡቓት ደቂ ተባዕትዮ ግህሰት ከምዝበጽሖምን፡ 95% ኣብ ሰሜን ዳርፉር፡ 68% ድማ ኣብ ደቡብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ምዃኑ ዘረጋገጸ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣስዒቡ፡ ርኡይ ሚእታዊት ካብቶም ዝደሓኑ ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ብምምልካት: ኣብ ደቡብ ዳርፉር 20% ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ክኾኑ እንከለዉ፡ 41 ሚታዊት ኣወዳትን ኣዋልድን ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ከም ዝኾኑን እዚ ዘሰንብድ ኣሃዝ እዚ፡ ስፍሓት ናይቲ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ዓመጽ ዘቃልዕ እዩ ቢሉ፡ እቶም ዝደሓኑ ሰባት ዝሃብዎ ምስክርነት ኣዚዩ ዘሰምብድ ምዃኑ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ የረጋግጽ።

ዘይተሓታትነት ከብቅዕ

ኣብ ዳርፉር ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን፡ መዓልታዊ መገሻታትን ልዑል ሓደጋ ጾታዊ ዓመጽን ከም ዘጋጥመን ኣብ ሰሜን ዳርፉር ዝርከባ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብአን ድሕነት ንምድላይ ኣብ መንጎ ከተማታት እናተጓዕዛ እንከለዋ ከም ዘጋጠመን ይግመት። ኣብ ውሽጢ መዓስከራት ስደተይናታት እውን እንተኾነ፡ እቲ ሓደጋታት ይቕጽል ኣሎ። ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተጨናነቑ መዕቆቢታት ውሕድ ናይ ግሊ ህይወት ወይ ውሕስነት ክህቡ ኣይክእሉን፡ ርሑቕ ዒላ ማይ፡ ውሱን ናይ ጽሬት ቦታታትን እኹል ጽሬት ዘይምህላውን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣርሒቐን ክጓዓዛ ይግደዳ። ሳዕቤን ናይቲ ዓመጽ ኣዝዩ ኣዕናዊ እዩ፣ ስለዚ ድማ ኣድላይነት ሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሓገዝ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። "ዝደሓኑን ደለይቲ ፍትሕን" ዝሃብዎ ምስክርነት ዝጸብጸበ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም፡ "ህጹጽ ተበጻሕነት ሕክምናዊ ክንክን፡ ዝሓየለ ናይ ምክልኻል ኣገባባት፡ ውሑስ ቦታታትን ክህሉን ጾታዊ ዓመጽ መቕጻዕቲ ዘይወሃቦ ብምዃኑ ድማ ክቕጽልን ከስፍሕን ዝገብር ምዃኑ” ዘረጋግጽ እዩ።

መወዳእታ ዘይብሉ ዛንታታት ቃንዛ

ግሎርያ እንድሬዮ መሕረሲት ሓኪም ኣባል ትካል ዶብ ኣልቦ ሕኻይም ኣብ ኤል ፋሸር ዝመጹ ውጉኣት ዝበጽሑላ ከተማ ታዊላ እተገልግል፡ ማእለያ ዘይብሉ መሪር ዛንታታት ግህሰት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝበጸሓን፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ነቲ ጸብጻብ ግህሰት ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ሓቢራ፡ ዓመጽ ዘጋጠሞም ደቂ ተባዕትዮ እውን ከምዘለዉን፡ ብዛዕባ እቲ ዝወረዶም ግህሰት ክሕብሩ ኣዚዩ እዩ ዝኸብዶም፡ ብዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ከቢድ ጽልዋ ዝሓድግ እዩ - ቢላ - ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞም ግህሰት እውን ተነጺሎም ክነብሩ ይግደዱ። ገሊኦም ወይ ገሊአን ብስድራቤተን ስድራ ቤቶምን ይንጸጉን ይንጸጋን፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብሰብኡተን ይግደፋ" ምስክርነተን ምስማዕ ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እንተኾነ ግን "ደገፍና" እታ መሕረሲት "እንኮ ተስፋኦምን ተስፋኤንን' እዩ ትብል። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ኣዴታተን፡ ዓባየይ ኣብ ቅድሚ ደቂ ደቀን ክዕመጻ ርኢና ኢና" ክትብል ሓላፊት መደብ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣንድረዛ ትራያኖ ኣውን ብወገና ክትሕብር እንኮላ፡ "ሕቶይ፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም ኣጽዋር ኲናት ምጥቃም ይቕጽል ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓለም እንታይ ትገብር ኣላ ዝብል'ዩ?" መብዛሕትአን ሕክምናውን መብዛሕትኡ ትሕተ ቅርጽን ኣብ ዝዓነወሉ ኩነታት፡ ሰላማዊ ህዝቢ ደገፍ ዘድልዮ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ከም ዝበለትን፡ ሓላፊት ህጹጽ ረድኤት ንዳርፉር ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ሚርያም ላሩሲ፡ "ነዚ ኲናት ንምምካት ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ምጥቃም ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካን ናይቲ ትካል መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

01 Apr 2026, 15:48