ካብ 2021 ንነጀው፣ ልዕሊ 1 ሚልዮን ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ተኸልኪለን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን
እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ህጻናት ዝሓሊ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት እንተ ወሓደ 1 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ በቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተገብረ ቀይድታት ብቐጥታ ተተንኪፈን ከም ዘለዋን፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣዋጃት በዚ ከምዚ እንተ ቐጺሉ ድማ እዚ ቝጽሪ እዚ ኣብ 2030 ልዕሊ 2 ሚልዮን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቁ።
ብመሰረት እቲ ዩኒሴፍ ዘዳለዎ ሓድሽ ትንተና "ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሥርዓተ ትምህርቲ፤ ሓይሊ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ዘስዕቦ ዋጋ " ብምምልካት፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣዋልድ ኣብ 2021 ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተገብረለን እገዳ ካብ ዚተኣታቶ ኣትሒዘን፣ ናይ ትምህርቲ መሰላት ተኸልኪለን ርከባ ኣለዋ።
ፈጻሚ ዳይረክተር ዩኒሴፍ ካተሪን ራስል ከም ዝገለጸቶ፣ "ንሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ነቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ልዕእሊ ደቂ ኣንስትዮ እተገብረ እገዳ ከልግሱ ንምሕጸኖም፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድማ መሰል ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ቈራጽነት ክገብር ጻውዒት ኣቕሪብና ኣሎና" በለት።
ሕማቕ ትጽቢታት
ዩኒሴፍ ከም ዘመልከቶ፣ ኣብ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮን ስራሕተይናታት ደቂ ኣንስትዮን ዝግበር ቀይድታት፣ ኣብ 2030 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ልዕሊ 25,000 ደቂ ኣንስትዮ መምህራንን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ክሰኣና ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 2023 ክሳዕ 2025 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ተወካሊነት ዝኾነት ከም ዝገለጾ፣ እዚ ኩነት እዚ ካብ 21 ሚእታዊት ናብ 17.7 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ፈሊጡ፣ ቍጽሪ እተን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ዝሰልጠና ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት እናነከየ ምኻዱ፣ ንትምህርቲ ቈልዑን ህጻናትን ውጽኢት ኣገልግሎት ጥዕናን መጻኢ ዕድላትን ከም ዜበላሽዎ ኣጠንቀቐ።
እቲ ጸብጻብ ኣስዒቡ ንደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ክሰርሓሉ እተፈቕደለንን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነን ዓውድታት ምውጻእ፣ ንቘልዑ ብቐጥታ ዝጐድእ ኢዩ፣ ከመይሲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቍጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝንኪ ከምኡውን ንደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ዝግበር ክንክን ከም ዝንኪ ኢዩ ዝገብር ይብል።
ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣደን ናጽላታትን ቈልዑን ዜሕድሮ ጽልዋ
ዩኒሴፍ ከም ዝገለጾ ቍጽሪ ሰራሕተኛታት ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ እናነከየ ይኸይድ ምህላዉ፣ ንኣገልግሎት ጥዕና ኣደን ናጽላን ቈልዑን ብቐጥታ ዝድርቶ እዩ ይብል፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኸይረኽባ ዝኽልክል እዩ።
ካትሪን ራስል ኣስዒባ ከምዚ በለት፦ "ኣፍጋኒስታን ነቶም ኣድላዪ ኣገልግሎታት ዝድግፉ ናይ መጻኢ መምህራንን ኣለይቲ ሕሙማትን ሓካይምን መሕረስትን ማሕበራዊ ሰራሕተኛታትን ክትስእን እያ። ኣዋልድ ካብ ትምህርቲ እንተ ተገሊለን እዚ ሓቂ ክኸውን ኢዩ" በለት።
ካልእ ወለዶ ክኢላታት ምጥፋእ
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ እተን ዝሰልጠና ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት ምጥፋእ፣ ነቲ ዝቕጽል ወለዶ ንኸይትክኡ ዝኽልክል ከም ምዃኑ ኣቓልቦ ክግበረሉ ኣለዎ ይብል።
እቲ ትካል ኣስዒቡ "ምኩራት ደቂ ኣንስትዮ ጡረታ ክወጻ ወይ ክሰናበታ ኸለዋ ኣዋልድ ትምህርተን ከይቅጽላን ናብዚ ግደ እዚ ኸይኣትዋን ተኸልኪለን ኢየን ዘለዋ" ይብል።
ማዕከን ቈልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ነዚ እገዳ ኣፍጋኒስታውያን ካልእ ወለዶ ክኢላታት ሰብ ሞያን ከም ዘጥፍእ የጠንቅቕ።
ዩኒሴፍ ነዚ ቓልሲ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይን ላዕለዋይን ደረጃ ትምህርትን ንምምላስ ከምኡውን ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ቍጠባዊ መጻኢ ኣፍጋኒስታንን ዓብዪ ግደ ዘለዎ ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ወፍርታት ንምቕጻል ህጹጽ ስጕምቲ ኽውሰድ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ራስል ወሲኻ "ንደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንኸይሳተፋ ምኽልካል ንብምሉኡ እታ ሃገር ዘለዋ ተኽእሎ ዘጥፍእ - ንኣዋልድን ንስድራ ቤተንን ንማሕበረሰቦምን ኣብ ድኽነት ከም ዘርድ፣ ንኣገልግሎት ጥዕና ዜዳኽም ውጽኢታዊ ክንክን ጥዕና የዳኽሞ ከምኡውን ምሁር ወለዶ ደቂ ኣንስትዮ ከዕኑ ዝኽእል ቍጠባዊ ኩነት ስቕ ይብሎን ኢዩ" ትብል።
ናይ ዩኒሴፍ ተጸምዶ
ዩኒሴፍ ኣብ ልዕሊ 190 ሃገራትን ዞባታትን ኣብ ዝርከብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቈዓን ህጻንን፣ ኣብ ኵሉ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ጽጉማት ቈልዑን ህጻናትን ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ቦታታትን ንምሕላው ይዓዪ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍጋኒስታን ንትምህርቲ ቈልዑ ንምድጋፍ ዝገብሮ ኣገልግሎር ድማ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ 2025 ልዕሊ 3.7 ሚልዮን ቈልዑ ኣብ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ህጹጽ ሓገዝ ረኺቦም እዮም። 66 ሚእታዊት ኣዋልድ ዝዀና 442,000 ቈልዑ ካብቲ ኣብ ማሕበረሰብ እተመስረተ ናይ ትምህርቲ ተበግሶታት ተጠቀምቲ ኮይነን ኣለዋ፣ 232 ኣብያተ-ትምህርቲ ተሃኒጸን ወይ ተሓዲሰን ድማ ይርከባ ኣለዋ።