ናይ ምቁራጽ ምልክት ዘየርእይ ዘሎ ኵናት ኢራን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብርቱዕ መጥቃዕቲ ከፍንው ምዃኑ ዕለት 2 ሚያዝያ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ብቕልጡፍ ክዛዘም እዩ ዝብል ዝስማዕ ዝነበረ ተስፋ ከም ዘጸልመቶን ትራምፕ ዕለት 1 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ ሃገራዊ መደረ፡ ነቲ ስራሕ እንክብል ዝገልጾ ጸረ ኢራን መጥቃዕትታቱ "ኣዚዩ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን" ክውድኦ ምዃኑ ንኣመሪካውያን ዝሓበረ እውን እንተኾነ እቲ ግጭት ዘብቅዓሉ ናይ ግዜ ገደብ ግን ከም ዘየቐመጠ እዩ ዝፍለጥ።
ኢራን ብወገና ናብ ሃገራት እስራኤልን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዝያዳ ሚሳይላት ብምውንጫፍ ግብረ መልሲ ትህብ ከም ዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቴህራን እትፍጽሞ ዘላ መጥቓዕቲ ንጎረባብታ ናይ ምውቃዕ ቀጻሊ ዓቕማ ዘርኢ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብታ ሃገር ዝመጽእ ስግኣት ዳርጋ ተወጊዱ እዩ ዝብል ናይ ርእሰ ብሔር ትራምፕ መግለጺ ዝጻረር እዩ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ምስቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ምዕጻው ዝወሰደቶ ስጉምት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ኣዝዩ ሰገር ዝኾነ ሳዕቤን ቅልውላው ቀረብ ጸዓት ኣብ መላእ ዓለም የስዕብ ምህላዉን ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ብሓሙስ ዕለት 1 ሚያዝያ፡ ኣብዚ ዋጋታት ነዳዲ እናወሰኸን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጥን፡ ኣስታት 40 ሃገራት ናጻ ዝውውር ቀረብ ነዳዲ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝኽእል መገድታት ንምልላይ ምናባዊ ዓውደ ኣኼባ ከም ዘካየዳ ይንገር።
ሞት ኣሽሓት
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕቡራት መንግስታት እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣየር ካብ ዝጅምራሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ተቐትሉን፡ እዚ ድማ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ መደበራት ህቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ብተካይዶ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ኣብ እትህበሉ ዘላ እዋን እዚ ዝተባርዐ ውግእ ኣብ ሊባኖስ ሓድሽ ግንባር ከም ዝኸፈተን፡ ኢራን ዕለት 2 ሚያዝያ ንቴህራንን ምዕራባዊት ከተማ ካራጅን ኣብ ልዕሊ ዘራኽብ ድልድል ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣየር ሓያሎ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ገለ ዓበይቲ ኢንዳትሪታት ኣፍረይቲ ሓጺን ከምኡ’ውን ኣብ ቴህራን ዝርከብ ሕክምናዊ ተቕዋም ምርምር ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞ ትሕብር።
ሓለውቲ ሰውራ ኢራን ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ኢንዳትሪታት ዝፍጸም መጥቓዕቲ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተተሓሓዘ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ ናይ ሓጽኒንን ኣሉሚንየምን ፋብሪካታት ዒላማ ብምግባር ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ከሐይሉ ከም ዝኾኑ የጠንቅቑ።
ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ዝቕጽል 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ ምስ ኢራን ዝተሓባበሩ ምሊሻታት ኣብ ባቕዳድ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝለ ዝኽእሉ ዜጋታታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካብ ዒራቕ ክወጹ የተሓሳስብ።
ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ፣ ባንኪ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካል ጸዓትን ዕለት 1 ምያዝያ እቲ ኲናት "ዓቢ፣ ዓለማውን ኣዝዩ ዘይምዕሩይን" ጽልዋታት ከምዘለዎ ኣጠንቂቖም፣ ነተን ኣዝየን ዝተሃስያ ሃገራት ክወሃብ ዝኽእል ቍጠባዊ ደገፍ ሓዊሱ ዝህብኦ መልሲ ንምውህሃድ ከም ዝወሰና ይንገር።