ኵናት ኢራን ኣብ ቁጠባ ዓለም ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላው ኵናት ኢራን ኣብ ቁጠባ ዓለም ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላው  (2026 Getty Images)

ኵናት ኢራን ኣብ ቁጠባ ዓለም ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላው

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢራን ድሕሪ ዝፍጸም ዘሎ ሓድሽ መጥቃዕቲ ወጥሪ ዝያዳ ክውስኽ ምዃኑ የጠንቅቕ። ናይቲ ውድብ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ “ሰፊሕን ምሉእን ኲናት ክጅምር ዝቐረበ ይመስል” እንክብል እውን ከም ዘጠንቀቐን ኣብዚ እዋን እዚ ዕዳጋታት ዓለም ናብ ዝኸፈአ ዓዘቕቲ የብል ምህላዉ ክንገር እንከሎ ኣብዚ ዘሰክፍ ኩነታት ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ፊንላንድ እታ እንኮ ምስ ቴህራን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ ክረጋገጽ ትጽዕር ዘላ ሃገር ምዃና እዩ ዝንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ "ኣብ ኣፈት ንማእከላይ ምብራቕ ዝሽፍን ሰፊሕ ኲናት ንርከብ ኣሎና፡ ኣብ መላእ እዛ እንነብረላ መሬት ድማ ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘለዎ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን” እንክብል፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ንክልተ ሰሙን ወይ ሰለስተ ሰሙን ክቕጽል እዩ እንክብል ድሕሪ ዝሃቦ ግምት ንጽብሒት ንጋዝጼጠይንታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የጠንቅቕ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ዘተ ይላበው

እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ወጥሪ ዘጉልሓ እየን። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረሽ ስርሒት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ከምዘድሊ ደጊሙ ብምጥቃስ "መልእኽተይ ንጹር እዩ። ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን እቲ ዘይተኣደነ ሰብኣዊ ስቓይ ዘስዕብን ኣዕናዊ ቁጠባዊ ሳዕቤን ዘለዎን ኲናት ከብቅዕ እዋኑ እዩ እብል፡ ግርጭታት ባዕሎም ኣይፍትሑን እያቶም። መራሕቲ ካብ ጥፍኣት ንላዕሊ ዘተ ምስ ዝመርጹ እዮም ዘብቅዑ። እቲ ምርጫ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ ክግበር ኣለዎ። ሰላማዊ መንገዲ ንምርካብ ጻዕርታት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ይካየድ ኣሎ፡ ንኽዕወቱ ድማ ዘድሊ ቦታን ደገፍን ይግብኦም” እንክብል ከም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ የመላኽት።

ጻዕርታት ፊንላንድ

ኣብዚ ቅልውላው ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ ዳግማይ ንምኽፋት ዝግበር ናይ መጀመርታ ፈተነ ኣሎ። እዚ እውን ናይ ፊንላንድ ርእሰ ብሔር ኣሌክሳንደር ስታብ ምስ ናይ ኢራን ርእሰ ብሔር ማሱድ ፔዘሽክያን ቀጥታዊ ርክብ ብምክያድ ነቲ ውግእ ንምውጋድ ዝሕግዝ መገድታት ኣብ ምህድህሳስ ከም ዘሎ ክሕበር እንከሎ፡ "ኣብ ኢራንን ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ኩነታት ከም እተዘራረበን፡ ተኹሲ ደው ምባልን ስነ ሜላዊ ፍታሕን ብህጹጽ የድሊ" እንክብል ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ከም ዝሓበረን ወሲኹ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ምባልን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ነጻ መጓዓዝያ መራኽብ" ከምዘድሊ ኣስሚሩ፡ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ንዓለምለኻዊ ንግዲ ጸዓት ኣዝዩ ተሃዋሲ ዝኾነ ኣገዳሲ ቦታ እዩ። ኣብ መንጎ እቶም ውድባት ዓሚቕ ፍልልያት እኳ እንተሃለወ፡ ክፉት መስመራት ርክብ ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፡ "እቲ ዘተ ምቕጻል ወሳኒ'ዩ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅልውላው ዕዳጋታት

ብቁጠባውን ሃብቲ ገንዘብን ግንባራት ሳዕቤን ናይቲ ወጥሪ ቅጽበታዊ ምዃኑ ዝፍልፈጥ ኮይኑ፡ ንጹር ናይ ግዜ ገደብ ከየቕረበን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከይተገመተን፡ እቲ ኲናት ናብ መወዳእታ ገጹ እዩ እንክብል ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኣውፈርቲ ተስፋ ከም ዘቝረጸን ውጽኢቱ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋታት ሓያል ነውጺ ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ዋጋ ነዳዲ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ነዳዲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዋጋ ናይ ሓደ በርሚል ናብ 109 ዶላር ብምብጻሕ ብሸሞንተ ሚታዊት ወሰኽ ከም ዘረኣየን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓቢይ ጸቕጢ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማእከላይ ዋጋ ነዳዲ ንሓደ ጋሎን ናብ 4.08 ዶላር ክብ ከም ዝበለን፡ እዚ ከኣ ካብቲ ግጭት ዝጀመረሉ ኣትሒዙ ብ37% ወሰኽ ኣመዝጊቡ ይርከብ። ዋጋ ናፍታ ኣብ 5.51 ዶላር ብምብጻሕ 47% ወሰኽ የመዝግብ። እዚ እውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ቀረብ ዕዳጋ ብርቱዕ ምንቁልቋል ክህሉ ይገብር ኣሎ።

03 Apr 2026, 17:10