ገምጋም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ቓዛ ብ77 ዓመታት ንድሕሪት ትምለስ ገምጋም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ቓዛ ብ77 ዓመታት ንድሕሪት ትምለስ 

ገምጋም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ቓዛ ብ77 ዓመታት ንድሕሪት ትምለስ

ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ብሓባር ኣብ ዘቕረብዎ ገምጋብ ኣብ መላእ ቓዛ ሰብኣዊ ምዕባለ ብዘደንጹ ደረጃ ብ77 ዓመታት ንድሕሪት ከምዝተመልሰ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰብኣዊ ምዕባለ ቓዛ ብግምት 77 ዓመታት ንድሕሪት ከምዝተመልሰን ዳግመ ህንጸት ቓዛ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 71 ቢልዮን ዶላር ከምዝሓትት ካብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝወጸ ሓድሽ ሓባራዊ ጸብጻብ ይሕብር።

እቲ ምስ መሻርኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምታሕብባር እተገብረ ናይ መወዳእታ ገምጋም ቅልጡፍ ጕድኣትን ድሌትን ቓዛ ኣብተን ናይ መጀመርታ 18 ኣዋርሕ ኣድላዪ ኣገልግሎታት ንምምላስ ወሳኒ ህንጻታት ንምጽጋን ቍጠባዊ ምሕዳስ ንምድጋፍ 26.3 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድሊ የነጽር።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ሃማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ዝተባርዐ ውግእ እናገደደ ድሕሪ ምኻዱ ኣብ ቓዛ ዝወረደ ኣካላዊ መጉዳእቲ ኣስታት 35.2 ቢልዮን ዶላር ከም ዝግመትን ተወሳኺ 22.7 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ቍጠባውን ማሕበራውን መጉዳእቲ ከም ዘስዓበን። ኣባይቲ ክንክን ጥዕና ትምህርቲ ንግድን ሕርሻን ካብቶም ከቢድ መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 371,000 ኣባይቲ ዓንዩ ወይ ተጐዲኡን ልዕሊ ፍርቂ ኣባይቲ ሕክምና ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝኾነን ዳርጋ ኩለ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ መጥቓዕቲ ከም ዝወረዶን፡ ቍጠባ ብ84 ሚእታዊት ከም ዝነከየን፡

ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ መጉዳእቲ እውን ብተመሳሳሊ ከቢድ ምዃኑን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን እንከመላኽት፡ ሰበ - ስልጣን እቲ ከባቢ ልዕሊ 71,000 ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሞቱን ልዕሊ 171,000 ድማ ከም ዝቘሰሉን ብዙሓት ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝዓነው ህንጻታት ተቐቢሮም ከም ዝተረፉን ኣመላኺቶም፡ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ህዝቢ ኣባይቶም ከም ዝዓነዎምን 1.9 ሚልዮን ሰባት ከም እተበዛበሉን ብዙሓት ብተደጋጋሚ ዝመዛበሉ ዘለዉ ከም ዝኾኑን ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ስንክልና ዘለዎምን ድሮ ተኣፈፍቲ ሰባትን እቲ ዝኸፍአ ጸገም ዘጋጠሞም ዘለዉ ምዃኖም የረጋግጹ።

እቲ ጸብጻብ ኣቐዲምካ ናይ ምሕዳስን ናይ ነዊሕ ግዜ ዳግመ ህንጸትን መደብ ንምምራሕ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ዳግመ ህንጸት ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ካብ ህጹጽ ረድኤት ናብ ሰፊሕ ምሕዳስ ብዚግባእ ኪሰግር ከም ዘለዎ የጒልሕ።

29 Apr 2026, 14:47