ድለ

ምርጫ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ሓንቲ ከተማ ወሽመጥ ቓዛን ምርጫ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ሓንቲ ከተማ ወሽመጥ ቓዛን   (AFP or licensors)

ምርጫ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ሓንቲ ከተማ ወሽመጥ ቓዛን

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 25 ሚይዝያ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ እተገብረ ምርጫ ምምሕዳርን ኣብታ እንኮ ኸተማ ወሽመጥ ቓዛ ዝዀነት ደይር ኤል-ባላህን ኣል ፋታሕ ዓብዪ ዓወት ከም ዝረኸበን ኣብዚ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ውሽጢ ተቓወምቲ ዝኾኑ ገለ ናጻ ሕጹያት እውን ከም እተዓወቱ ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

95 ሚእታዊት ናይ ድምጺ ቆጸራ ድሕሪ ምክያዱ ርእሰ ብሔር ሃገራዊ ስልጣን ፍልስጥኤም ማሕሙድ ኣባስ ዝቘመ ኣል ፋታሕ ኬብሮን ኣብ ዝኣመሰላ ኣገደስቲ ምምሕዳራት ክዕወት እንከሎ፡ ኣብ ካልኦት ድማ ከም ናቡስ ወይ ራማላሕ ዝኣመሰላ ካልኦት ዝርዝራት ውጽኢት ገና ዘይቐረበ እውን እንተኾነ፡ ኣል ፋታሕ ክዕወት እዩ ዝብል ግምታት ግን ይቐርብ ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም 56 ሚእታዊ መረጽቲ ከም ዘድመጹን። እቶም ንምርጫ ዝቐረቡ መብዛሕቲኦም ካብ ውሽጢ ኣል ፋታሕ ዝመጹ ናጻ ተቓወምቲ ከም ዝነበሩን ይኹን እምበር ዝወሃብ ዘሎ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ እቲ ምርጫታት ሓፈሻዊ ዘይዕግበት ኣመራርሓ ክሕደስ ኣለዎ ዝብል ምዃኑ ይሕብር።

ሽማግለ ምርጫ፡ ዓቢ መልእኽቲ ሃገራዊ ሓድነት

እቲ ውጽኢት ገና ብወግዒ እውን ዘይተረጋገጸ እንተኾነ ከምቲ ሽማግለ ምርጫ ፍልስጤም ዘስመሮ፡ ብዝኾነ "ሃገራዊ ሓድነት፡ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ፡ ምርጫ ርእሰ ብሔርን ሓጋጊ ኣካልን ሓዊሱ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ መንገዲ ዝጸርግ" ዓቕሚ ዘጉልሕ "ኣገዳሲ ፖለቲካዊ መልእኽቲ እዩ” እንክብል ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ወሽመጥ ቓዛ ተቒሱ ይሕብር።

27 Apr 2026, 16:17