ድለ

ዘተ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘተ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን  (ANSA)

ዘተ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን

ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝን ምልዓል እገዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራኽብን መሰረት ናይቲ ቴህራን ናብ ዋሽንግተን ዘቕረበቶ ሓድሽ እማመ፡ ዘተ ብዛዕባ ኑክሊየሳዊ መርሓ ግብር ናብ ዳሕረዋይ መድርኽ ክሰጋገር ዝጸውዕ ምዃኑ እንክንገር፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሊባኖስ ወራር እስራኤል ይቕጽል ኣብ ዘሎሉ እዋን ፓስዳራን ማለት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ንሂዝቦላሕ ዘለዎም ደገፍ ከም ዘሐደስ ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ምስ መንጐይናታት ፓኪስታን ድሕሪ ዝገበሮ ዳሕረዋይ ዘተ፡ “ዘተ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ክቕጽል ዘኽእል ቅድመ ኲነታት ተተንቲኑ ኣሎ” እንክብል እንከሎ፡ እቲ ዘተ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዝርርብ ተሳታፍነቶም ብዶናልድ ትራምፕ ዝተሰረዘ ተደራደርቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘይነበርሉ ከም ዝተኻየደን ድሕሪ ምፍራስ ናይቲ ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ዘተ፡ ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ዜና ኣክሲዮስ፡ ስሙ ዘይተገልጸ ምንጪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምጥቃስ፡ እቲ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ ብዘይ ውጽኢት ዝተረፈሉ ምኽንያት ኣብቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ጉዳይ ትኹረት ክግበረሉ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብዘጋጥም ዘሎ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ መሰረት ኣብ ዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘራኽብ መልሲ ምርካብ ኣገዳሲ ይገብሮ፡ ምኽዕባት ዩራንየም ኢራን ዝምልከት ጉዳያት ኣብ ዳሕረዋይ መድርኽ ዝርአ ዛዕባ ኽከውን እዩ፡ ነቲ ናይ ጸዓት ቅልውላው ብህጹጽ ንምፍታሕ ከምኡውን ነቲ ኑክልየሳዊ ጕዳይ ዝምልከት ቅልውላው ናብ ካልእ ግዜ ንምስግጋር ዝዓለመ ኢዩ። ኣካላት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሰዓታት ብዛዕባ ሓደስቲ ስጕምትታት ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበር።

ጉዕዞ ኣራግቺ ናብ ሩስያ

ናይ ኢራን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣራግቺ ኣብ ሩሲያ - ሞስካ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን። ክልቲኦም ኣብ "ምውህሃድ ርክባትን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ደረጃታት ሓባራዊ መደባት ኣብ ምድንፋዕ" ዘተኮሩ ክሌኣዊ ዘተ ከካይዱ ምዃኖም ኣብ ምሶኮ ናይ ቴህራን ልኡከ መንግስቲ ካዘም ጃላሊ ዕለት 26 ሚያዝያ ካብ ዘውጸኦ መግለጺ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሲኤንኤን፡ ክረምሊን ነቲ ኢራን እተኻዕብቶ ዩራንየም ኣብ መሬት ሩስያ ክኽዘን ወይ ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ’ኳ እንተነበረ፡ ምንጭታት ግን ትራምፕ ነቲ ዕድመ ከምዝነጸጎ እዩ ዝንገር። ናይ ኢራን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእ ቅድሚ ናብ ሩሲያ ምኻዱ ኣብ ፓኪስታንን ዖማንን ምብጻሕ ከም ዘካየደ ክፍለጥ ተካኢሉ ኣሎ።

ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኩነታት

ሰራዊት እስራኤል ካብ ሩባ ሊታኒ ንሰሜን kab ዝርከባ 7 ዓድታትን ከተማታትን ተቐማጦ ክወጹ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ መጥቃዕቱ ዳግማይ ከም ዝጀመረን እቲ ድርኺት ሂዝቦላህ ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ምጥሓሱ ምዃኑ ይእመን። ብመሰረት ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ዘቕረቦ መረዳእታ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 37 ድማ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት እስራኤል ሞት ሓደ ወዲ 19 ዓመት ወተሃደር ከም ዘረጋገጸን፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ሂዝቦላH ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተሓደሰ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብምጥሓሱ ምላሽ ከምዝኾነ ይገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፓስዳራን - ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ግንባር ተቓውሞ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ስሙር ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሂዝቦላሕ ንምድጋፍ ድልው ምዃኑ እንከመላኽት፡ እቲ ግጭቲ ካብ 2 መጋቢት ካብ ዝጅምር ልዕሊ 2500 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይሕበር።

27 Apr 2026, 16:20