መንእሰያት ብዛዕባ ቅልውላው ክሊማዊ ለውጢ ዘለዎም ንቕሓት፦ መጻኢ እንታይ ይመስል?
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት – ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናይቲ ኣብ ትሬቪሶ ሰሜናዊ ኢጣልያ ዝካየድ መበል 17 ኣህጉራዊ ጉባኤ ሓምላይ ውዕል ብዛዕባ ቅልውላው ክሊማ ኣብ እተገብረ ዘተ፡ እቲ መግለጺታት ካብ ፖሊሲን ተክኖሎጅን ሓሊፉ፡ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ወለዶታት ዘተኰረ ምንባሩ ተገሊጹ።
ክሪዚስቶቭ ሳደኮ ኣብ ሞዴና ሰሜናዊ ኢጣልያ፡ ናይ ስነ-ኣገባብን፡ ኣሃዛዊ ሓበሬታን ናይ ስነ-ፍልጠት መምህር ኰይኑ፡ ኣብ ሚላኖ ከኣ፡ ኣብ ክፍሊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይትን፡ ውጥረት ምቍጽጻርን ይሰርሕ። ነቶም ኣብቲ ጉባኤ እተኽቡ ሰባት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንእሰያት ንክሊማዊ ለውጢ፡ ብኸመይ ምላሽ ይህቡ ከም ዘለዉ ዝምርምር መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ።
እቲ ዝገብሮ መጽናዕቲ፡ ንጹር ኣሰራርሓ ከም ዘሎ ይሕብር፦ ፍልጠት ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ መጻኢ ግን ናብ ዘተኣማምን ደረጃ ክትርጕሞ ኣጽጋሚ ምዃኑ የርኢ።
ፍልጠት መንእሰያት
ኣብ ጐድኒ እቲ ፍጻመ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "መንእሰያት ኣዝዮም ተነቀፍቲ ኢዮም። እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ይፈልጡ ኢዮም።" ይኹን እምበር እዚ ምስትውዓል እዚ፡ ካብ ተግባር ንላዕሊ ፍርሂ እዩ ዜምጽእ። ኣብቲ ንሱ ዝገበሮ መጽናዕቲ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ዚዀኑ ተሳተፍቲ፡ ንመጻኢኦም ብጭቡጥ መገዲ ከም ዘይርእይዎ ገሊጾም፣ እዚ ማለት ከኣ ናይ ነዊሕ ጊዜ መደባት ኣይገብሩን ኢዮም።
ካብቲ ዝተዋህበ መልስታት ገሊኡ ካብዚ ንላዕሊ ኢዩ ዚኸይድ። ብዛዕባ እቲ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ሕይወቶም ዜሕድሮ ጽልዋ ምስ ተሓትቱ፡ እቶም ተሳተፍቲ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ከም ዚመስል ስለ ዝጠራጠሩ፡ ቈልዑ ንኸይወልዱ ወይ ስድራ ቤት ንከይምስርቱ ብዝገበርዎ ውሳነ ተዛሪቦም። ሳደኮ ብዛዕባ እዚ መልስታት እዚ ክዝረብ ከሎ፡ ኣብ መንእሰያት ብዛዕባ እዚ ኣረኣእያ እዚ ዘሎ ክብደት ብምግንዛብ "ኣዝዩ ዘሕዝን" ክብል ገሊጽዎ።
ብተወሳኺ ንክሊማዊ ለውጢ ኣብ በይንኻ ተገሊልካ ክትርድኦ ከም ዘይትኽል ገሊጹ። ካልእ ረቛሒታት - ከም ውግእን ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ጥዕናን - ናብ ዝሰፍሐ ዘይምርግጋእ ይደፍእ ኣሎ። "እዚ ዝተሓዋወሰ ነገር ኢዩ" ድሕሪ ብምባል፡ እዚ ተደራራቢ ሻቕሎት እዚ፡ ንጹር ምላሽ ኣብ ክንዲ ዚህብ፡ ንናይ ተጠራጣርነት ኵነት ከም ዜጋድዶ ኣብሪሁ።
ኣብዚ ኵነታት እዚ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ትምህርቲ ብቑዕ ኣይመስልን። መብዛሕትኡ ጊዜ ብውልቀ-ሰባት መምህራን ወይ ከም ሓምላይ ሰላም ዝኣመሰላ ውድባት ዝምራሕ ገለ ተበግሶታት እኳ እንተሃለወ፡ ሳደኮ ግን፡ እዚ ስፍሓት እዚ ውሱን ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ። "ኣዝዩ ውሑድ መደባትን፡ ትሑት ኣቓልቦን ኢዩ ዘሎ" ብምባል ብዛዕባ ክሊማ ዝርኢ ትምህርቲ ገና ብንጹር ከይዘይተወሃሃደ ይገልጽ።
ክስማዕ ዘለዎ ሓበሬታ
እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ መንእሰያት ወለዶ ጥራይ እተሓጽረ ከም ዘይኮነ ንምግላጽ፡ ሳደኮ፡ “ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ ዘሎ ጋግ ብምጥቃስ፡ ዓበይቲ ወለዶታት፡ ኣነባብራኦም ኣብ ኣከባቢ ንዘለዎ ጽልዋ፡ ንክፈልጥዎ ትሑት ግምት ኢዩ ዘሎ፣ መንእሰያት ግን ነቲ ኵነታት ይፈልጥዎ ኢዮም" ይብል።
"ወለዶና ዝተወሰነ ዓይነት ኣነባብራ ዝለመደ ኢዩ" ዝበለ ሳደኮ፡ ከም ሓሳቡ፡ እቲ ዝግበር ዘሎ መጽናዕቲ ኣገዳሲ ግደ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ከም መበገሲ ጥራይ እዩ። ሓበሬታ፡ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ንምግላጽን፡ ተሓታትነት ንምዕባይን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ናብ ተግባር ክመርሕ ኣለዎ። እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ወለዶን፡ ዝሰፍሐ ህዝባዊ ፍልጠትን፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዘጠቓልል ኢዩ።
"እዚ ኵሉ ሓበሬታ ብመንግስትታት ኪስማዕ ኣለዎ" ብምባል ርኽበታት ኣብ ኣካዳምያዊ ኵነታት ጥራይ እተሓጽረ ኪኸውን ከም ዘይብሉ ውን ይገልጽ። እቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኢጣልያ እተመስረተ እኳ እንተ ዀነ፡ ሳዕቤኑ ግን ዝሰፍሐ ምዃኑን፡ ኣህጉራዊ ቘላሕታ ከም ዜድልዮን ይጠቅስ። ዝተወሃሃደ ንጥፈታት ከም ዘድሊ ድማ ይጽቕጥ። "ነቲ ዓረብያ ካብ ብዙሕ ወገናት ክንስሕቦ ንኽእል ኢና፣ እንተዀነ ግን ናብ ሓደ ኣንፈት ክንስሕቦ ኣሎና" ብምባል ኣብ መንጎ መንግስታት ዝያዳ ምትሕብባር ክግበር ጻውዒት የቕርብ።
ደገፍ የድሊ
ስጕምቲ ዘይምውሳድ ኣብ መንጎ መንእሰያት ናይ ተነጽሎ ስምዒት ከም ዘዕቢ ኣጠንቂቑ። ኣብቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ሓደ ካብቲ ቐንዲ ርኽበታቱ፡ ብዙሓት ደገፍ ዘይብሎም ኰይኑ ከም ዚስምዖም ኢዩ። "መንእሰያት ጽምዋን፡ ሓገዝ ዘይብሎምን ኰይኑ ይስምዖም" ብምባል፡ ትካላት ነዚ ንምፍታሕ ሓላፍነት ከም ዘለወን ይገልጽ።
ሳደኮ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ መጻኢ ጠመትኡ ክገልጽ ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ እተፈላለያ ሃገራትን ባህላውን ኵነታት፡ ዝያዳ ምርምር ከም ዘድሊ፡ ክሊማዊ ለውጢ ከም ኣከባብያዊ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣውን፡ ማሕበራውን ጥዕና ሰባት ዘለዎ ጽልዋ እውን ክጽናዕ ከም ዘለዎ ሓሳብ የቕርብ። እዚ ሕጂ ዘሎ ርኽበታት ብኸፊል ጥራይ ምዃኑ፡ ሰፊሕ ርድኢት ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ፡ ኣብ ቀጻልን፡ ሓባራዊ መጽናዕትን ከም ዝምርኰስ ይገልጽ።