ሱዳን፡ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሱዳን፡ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 

ሱዳን፡ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

ኣብ ምብራቕ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤት ሕክምና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 64 ሰባት ከም እተቐትሉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣህጉራዊ ትኹረት ርሒቑ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ንሱዳን ዝበታትን ዘሎ ኲናት፡ ብዘይምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ፡ እዚ ድማ ብዝገደደ ዓመጽን ኣብ መንጎ ሰላማውያን ሰባት እናዓበየ ብዝኸይድ ዘሎ ስቓይን ዝልለ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ምብራቕ ዳርፉር ኤል- ዳይን ኣብ ዝርከብ ስነ ጥበብ ስነ ሕክምና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 13 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 64 ሰባት ከም እተቐትሉ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ምንጭታት ማሕበራት ግብረ ሰናይ ተወክሱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብምምልካት፡ ድሮ ኣብቲ ዓኒዩ ዘሎ ዞባ ዝፍጸም መጥቓዕትን ዘሎ ሰብኣዉ ቅልውላውን ዘሰንብድ ምዃኑ የረጋግጽ።

ኣስታት 90 ሰባት ቆሲሎም፡ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ምህላዎም ድማ፡ ነቲ ድሮ ኣብቲ ግጭት ዝካየደሎ ዞባ ዘሎ ስርዓት ክንክን ጥዕና ዝያዳ ናብ ከቢድ ጸቕጢ ምዃኑ ድማ ይሕብር።

ግፍዕታት ኲናት​

ትካል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሱዳን ከምዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰራዊት ሱዳን ብዝተፈነወ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተፈጸመ ዝንገር እኳ እንተኾነ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ግን ኣፍይፈጸምኩን ክብል ተሓታትነት የብለይን ይብል።

ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ሱዳን ኣብ መንጎ ሃገራዊ ሰራዊትን ንመንግስቲ ዝቃወም ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታትን ብዓመጽ ዝካየድ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ከም ዘላን፡ እቲ ግጭት ብውሕዱ ሞት 150 ሽሕ ሰባት ከምዘስዓበን ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ካብ መነበባብሮኦም ክመዛበሉ ከም ዝገበረን እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ዘመን እዚ ዘጋጥም ዘሎ እቲ ዝዓበን ዘስካሕክን ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኮይኑ ከም ዘሎ እዩ ዝንገር።

መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣባያቲ ሕክምናን ኣባይቲ ዜጋታትን ሓዊሱ ወተሃደራዊ ዘይኮኑ ቦታታት ዒላማ ምግባር እናወሰኸ ይኸይድ ምህላው እንክሕበር፡ ሰላማውያን ሰባት ነቲ ከቢድ ጾር ዓመጽ ተሰኪሞም ከም ዘለዉን ኣብ ዘስንብድ ኩነታት ከም ዝርከቡን እዩ ዝሕበር።

ዝተበታተነት ሃገር

እቲ ግጭት ነታ ሃገር ብዘሰብድ መንገዲ ክመቓቕላ እንከሎ፡ ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታት ንዳርፉር ሓዊሱ ንመብዛሕትኡ ምዕራባዊ ሱዳን ክቆጻጸር እንከሎ፡ ሰራዊት ሱዳን ድማ ንዓበይቲ ማእከላት ከተማታት ይቆጻጸር ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ሓይልታት መንግስቲ ናይ ቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታት ምስፋሕ ወራር ንምግታእ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እትርከ ከተማ ኤል - ዳይን ብተደጋጋሚ ዒላማ ምዃና እዩ ዝንገር። እቲ ኲናት ንዝተፈላለየ ኩርናዕ እታ ሃገር ዝረአ ኮይኑ፡ ኣብ ከም በዓል ኮርዶፋንን ዳርፉርን ዝኣመሰላ ዞባታት ዝያዳ ውግእ ዝካየድ ምዃኑ ይሕበር።

ክልቲኡ ወገናት ምጥቃም ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ደብዳባትን ሓደገይና ምዕባለ ከምዝርአይን እዚ ንሰላማውያን ሰባት ንዝለዓለ ሓደጋ የቃልዕ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻባት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ መንጎ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2026 ኣብ ዞባ ኮርዶፋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 90 ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉ ይንገር።

ዕለት 7 ለካቲት ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ምስ ቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታት ዝተኣሳሰር መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሸሞንተ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 24 ሰባት ከም እተቐትሉ ምንጭታት ሰብኣዊ ትካላት የረጋግጽ።

ዘሰንብድ ኣናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው

ብፍላይ ኣብ ከም ብቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታት ዝተኸበበትን ምልክት ናይቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ዝኾነትን ከተማ ኤል - ፋሸር ዝኣመሰሉ ከባቢታት ሰብኣዊ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ፡ ትሕተ - ቅርጽን ሰብኣዊ ቃፍላይን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ንኣወሃህባ ሓገዝ ኣዝዩ ድሩት ይገብር ከም ዘሎን፡ ዕለት 6 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ቃፍላይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ድሮ ጥሜት ዘጋጠሞም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ዝዓለመ ቀረብ መግቢ ከም ዝዓነወን

ኣብ መንጎ ቀጻሊ ዓመጽን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዘሎ ምትሕንፋጽ፡ ብዘተ ፍታሕ ንኽርከብ ዝግበሩ ጻዕርታት የሰናኽል ከም ዘሎ ይንገር።

እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጥሜትን መከራን

ብመሰረት ምደባ ምዕራፋት ውሕስነት መግቢ ዝተዋደደ ጸብጻብ፡ ኣብ መላእ ሱዳን ኩነታት ውሕስነት መግቢ ብቕልጡፍ እናተበላሸወ ይኸይድ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፡

ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ሰሜን ዳርፉር ብፍላይ ከኣ ኣብ ኡም ባሩን ከርኖይን ዘሎ መጠነ ሞት ኣዝዩ ክብ ክብል ዝድርክ ሕዱር ሕጽረት መግቢ ከም ዘሎን፡ ኣንስትን ቈልዑን ዝርከብዎም ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብኸቢድ ጥሜትን ጕድለት ኣመጋግባን ይሳቐዩ ምህላዎ ኣህጉራውያን ሰብኣዊ ትካላት ብምምልካት።

እቲ ግጭት ንጹር ፍታሕ ብዘይ ምርካቡ ድማ ሱዳን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ዝኸይድ ህጹጽ ሰብኣዊ ኵነታት የጋጥማ ኣሎ፡ እዚ ድማ ዓመጽን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምዝንባልን ገልታዕታዕ ምባልን ጥሜትን ንህይወት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሓደጋ የእቱ ምህላዉ ይሕብራ።

24 Mar 2026, 16:23