ካብ ደቡብ በይሩት ዝተመዛበሉ ሕዝቢ ኣብ ቅርዓት ሰማእታት ካብ ደቡብ በይሩት ዝተመዛበሉ ሕዝቢ ኣብ ቅርዓት ሰማእታት  

ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብልን፡ ኣብ ኢራንን ሊባኖስን ንልዕሊ 1.2 ሚልዮን እተመዛበሉ ሕጻናት ንምሕጋዝ፡ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ሰብኣዊ ረድኤት ክርከብ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ሓደ ወለዶ ሕጻናት ናብ ቅልውላው ይሰሓብን ከቢድ ዋጋ ይኸፍልን ከም ዘሎ የጠንቅቕ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ሕጻናት ዝሓሊ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ዓመጽ ደው ከብሎን፡  ነቶም ኣብ ኢራንን ሊባኖስን እተመዛበሉ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሕጻናት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ክቕርብን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ምክትል ዋና ፈጻሚ ጕደያት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቴድ ቻይባን "ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ወለዶ ሕጻናት ናብ ቅልውላው ይሳሓብ ኣሎ" በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ከቢድ ዋጋ" ይኸፍሉ ከም ዘለዉ ኣጠንቂቑ።

ወለዲ፡ ኣቦሓጎታትን፡ እኖሓጎታትን፡ መምህራንን ብምሉኦም ስድራ ቤታትን

ሰኑይ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 2,100 ሕጻናት ከም እተቐትሉን ከም ዝቘሰሉን ኣጕልሑ። ካብዚኣቶም ኣብ ኢራን 206 ኣብ ሊባኖስ ድማ 118 ቈልዑ ተቐቲሎም ኣለዉ።  ቴድ ቻይባን፡ "ብድሕሪ እዚ ቝጽርታት እዚ፡ ወለዲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን መምህራንን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ” ብምባል፡ ነቲ ውግእ ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ጕድኣት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ። ብምልኡ ማሕበረሰብን፡ ከተማታትን፡ ሃገራትን ኣብ ከቢድ ስምባደ ከም ዘለዉ ውን ገሊጹ።

 

"ብድሕሪ እዚ ቝጽርታት እዚ ወለዲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን መምህራንን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ማሕበረሰባት ከተማታትን ሃገራትን ኣብ ስምባድ እዮም ዘለዉ።"

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ተመዛቢሎም

ብዘይካ እቶም ዝሞቱን ዝቘሰሉን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ብሰንኪ እቲ "ዘየቋርጽ ደብዳብ" ሚልዮናት ዝኾኑ ሰባት ይሃድሙ ከም ዘለዉን፡ እቶም ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ሕዝቢ ብምልኦም ክወጹ ከም ዝተገደዱን ተገሊጹ። ኣብ ኢራን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 864,000 ሕጻናት ዝርከብዎም ክሳዕ 3.2 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ይግምት። ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ፡ ካብዚኣቶም 370,000 ሕጻናት ይርከብዎም ። እቲ ሓደጋ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣስታት 90,000 ሶርያውያን ስደተኛታትን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሊባኖሳውያንን ናብ ሶርያ ክምለሱ ተገዲዶም ኣለዉ።

"ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ኣስታት 44.8 ሚልዮን ዝኾኑ ሕጻናት ቅድሚ እዚ ኵነታት ምግዳዱ፡ ኣብ ግጭት ኣብ እተጸልወ ቦታታት ይነብሩ ከም ዝነበሩ፣  ሳዕቤን ናይዚ ሕጂ ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ከኣ ንዓታቶም ነባሪ ኪኸውን እዩ" ይብል።

ናይ ህጹጽ ገንዘብ ሃጓፍ ምድልዳል

ምክትል ዋና ጸሓፊ (UNICEF) ክንደይ ሕጻናት ዝምርኰሱሉ ዝነበሩ ኣባይትን፡ ኣብያተ ትምህርትን፡ ሆስፒታላትን፡  ኣገልግሎታትን ከም እተጐድአ ወይ ከም ዝዓነወ ገሊጹ። ነቲ ምግብን፡ ማይን፡ መድሃኒትን፡ ሕክምናዊ ረድኤትን ብምሃብ ዝካየድ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ብምንኣድ፡  እቲ ዘለዎም ሓገዛት ነቲ ብቅልጡፍ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድሌታት ንምምላእ እኹል ከም ዘይኰነ ኣጕሊሑ። ብፍላይ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት 86 ሚእታዊት ናይ ገንዘብ ሃጓፍ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ክብል ገሊጹ።

ህጹጽ ስጕምቲ ንምውሳድ ጻውዒት

ተዅሲ ብህጹጽ ደው ክብልን፡ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክረጋገጽን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምእታው ክፉት ባይታ ከም ዘድልን፡ ተወሳኺ ዕንወት ንምክልኻል ህጹጽ ገንዘባዊ ደገፍ ክግበርን፡ ሚስተር ቻይባን ብስም እቶም ዝተጐድኡ ሕጻናት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)  ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሕጻናትን ኣዴታትን ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ዕቤት ሓገዛትን ንምሃብ ኣብ 1946 ተመስሪቱ። ኣብ ጥዕናን፡ ኣመጋግባን፡ ትምህርትን፡ ድሕነትን ሕጻናት ኣተኲሩ ኣብ ልዕሊ 190 ሃገራት ይሰርሕ።

 

25 Mar 2026, 13:42