CLIMATE-COP27-UN-SUDAN-UGANDA-ETHIOPIA-EGYPT-NILE

ሃገረ ቱኒዝያ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጥን ተክኖሎጅያዊ ምትሕብባርን ትመርሕ

ሃገረ ቱኒዝያ ሃገራዊ ውጥን ብምድንፋዕን፡ ዞባዊ ምትሕብባርን ንምዕባይን፡ ዓቢይ ኣኼባ ብምእንጋድ ኣብ ቅልውላው ክሊማዊ ለውጢ ምላሽ ንምሃብ ኣብ አፍሪቃ ቀዳመይቲ ኰይና ትመርሕ ከም ዘላ ተገሊጹ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ሃገረ ቱኒዝያ ጽሩይ ተክኖሎጂ ብምርዓም፡ ካርቦን ንምቕናስን፡ ንስነ-ኣከባብያዊ ምስግጋርን ዝዓለመ ሰፊሕ ሃገራዊ ውጥን ብምውጻእ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ክሊማዊ ለውጢ መራሒት ኰይና ትርከብ።

ብመሰረት ትካል ዜና ቫቲካን ፊደስ፡ እዚ ምልክታ እዚ ኣብ ከተማ ሃማመት ሃገረ ቱኒዝያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣፍሪቃዊ መጋባእያ ንሃገራዊ ኣተኵሮ፡ ኢዩ መጺኡ። እዚ ኣኼባ እዚ ካብ 50 ሃገራት ንዝመጹ ክኢላታት ክሊማን ወሃብቲ ፖሊሲታትን ዘአንገደ ኰይኑ፡ ንክሊማዊ ለውጢ ብደረጃ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ዝተገብረ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወሰደ ኣኼባ ኢዩ።

ናይ ክሊማ ምትዕርራይን ናብ ሓምላይ ምስግጋርን

ሰበ-ስልጣን ሃገረ ቱኒዝያ፡ እታ ሃገር ብድሆታት ንምፍታሕ ዘለዋ እተወሃሃደ ኣቀራርባ ኣጕሊሖም፣ ገለ ካብዚ ከኣ ብኣከባብያዊ ዕንወት ንእተጸልወ ስርዓተ-ማሕድሮ ንምሕዳስን፡ ቀዋሚ ናይ ምዕባለ ንድፍታት ምትብባዕን ዜጠቓልል ኢዩ።

ቱኒዝያ ንጽሩይ ተክኖሎጅን ምህዞታትን ቀዳምነት ብምሃብ፡ ንገዛእ ርእሳ ከም መወከሲ ብምግባር፡ ነተን ሰፊሕን ግብራውን መፍትሒታት ክሊማ ዝደልያ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ትመርሐን ኣላ።

እቲ ምስ ስርዓተ-መርበብ ተክኖሎጂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር እተወደበ ኣኼባ፡ ህጹጽ ኣድላይነቱ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ የጕልሕ።

እቶም ሰበ-ስልጣን ገንዘባዊ ተኽእሎ ንምምሕያሽን፡ ምትሕልላፍ ተክኖሎጂ ንምቅልጣፍን፡  ኣብ ከም ተሓድሶ ጸዓትን፡ ብልሂ ሕርሻን፡ ምሕደራ ማይን ዝኣመሰሉ ቐንዲ ዓውድታት ሓድሽ ምህዞታት ንምድጋፍ፡ ሓድነት ዘለዎ ኣፍሪቃዊ ሓባር-መገዲ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም።

ናይ ኵነታት ኣየርን ናይ ምሕደራን ቅልውላው ኣብ ኬብ ታውን
ናይ ኵነታት ኣየርን ናይ ምሕደራን ቅልውላው ኣብ ኬብ ታውን

ዞባዊ ምትሕብባርን ተክኖሎጅያዊ አፍደገን

ናይ 2026 ሕታም ናይቶ መጋባእያ፡ ዞባዊ ሽርክነት ኣብ ምድልዳልን፡ ኣብ መላእ ኣህጉር እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጠለብ ተክኖሎጂ ክሊማን ምላሽ ኣብ ምሃብ ዘተኰረ ኢዩ።

እቲ ዘተ፡ ናይ ዲጂታላዊ መሳርሒታትን፡ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎን፡ ቀጻልነት ፕሮጀክት ኣብ ምምሕያሽን፡ ናይ ነዊሕ ጊዜ ተጻዋርነት ኣብ ምምሕያሽን ዘለዎ ግደ ኣጕልሑ።

ተሳተፍትን፡ መራሕቲ ዞባን፡ ተክኒካዊ ክኢላታትን ብወገኖም፡  እተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንመደባት ክሊማዊ ለውጢ፡ ብውጽኢታዊ መገዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ነቲ ሓባራዊ ተመክሮ ንኽጥቀማሉ፡ ናይ ምትሕብባር ሜላታት ከስፍሓ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እዚ ተበግሶ እዚ ንኣከባብያዊ ቀዳምነታት ዝወሃቡ ነገራት፡ ምስ ቍጠባዊ ምዕባለን፡ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለን ንምውህሃድ ዝሰፍሐ ኣህጉራዊ ጻዕሪ ዘንጸባርቕ ኢዩ።

 

 

 

25 Mar 2026, 13:33