ኣብ መላእ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 3,300 ከተማታት ዝተኻየደዱ ተቓውሞታት ኣንጻር ትራምፕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ፡ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ 3300 ከተማታት ኣንጻር ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም እተኻየደን እዚ ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ምንቅስቓስ "ነገስታት ኣይፋል" ዘዳለዎ ሳልሳይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኮይኑ፡ ኣዳለውቲ ምልካዊ ዝንባለ ርእሰ ብሔር ትራምፕ እንክብሉ ዝገልጽዎ ምሕደራ ንምኹናን ኣሚቱ ዝተመስረተ ምዃኑ እውን ይሕብሩ። ብመሰረት ኣተሓባበርቲ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ቀዳም ዕለት 29 መጋቢት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ኣብ ኩለን 50 ግዝኣታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከምዘስምዑን ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ኣብ ፓሪስ ለንደን ኣብ ሊዝበን እውን ከም እተኻየደ ይንገር
ግብረ መልሲ ዋይት ሃውስ
መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣመልኪቱ ብወሃቢት ቃል ኣቢጋይል ጃክሰን ኣቢሉ፡ ነቲ ሰልፍታት “ካብ ጭንቀት ትራምፕ ናይ ፍወሳ መደባት" ቢሉ ብምግላጽ ንጋዜጠይናታ ጥራይ ዘገድስ ኣጋጣሚ እንክብል ከም ዝገለጾ ይንገር።
ካብ ኒውዮርክ ናብ ሚኒያፖሊስ
እቲ ተቓውሞታት፡ ብሰፊሑ ምውፋር ኣኽበርቲ ሕጊ ጉዳይ ስደተይናታትን ጉምሩክን (ICE)፡ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ብዛዕባ ምውሳኽ ዋጋ መነባብሮን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይዕግበትን ኣብ ዝረኣየሉ ሃዋህው ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት፡ ሰልፈይናታት ኣንጻር እቲ ኲናት፡ ናይ ስደተይናታት መቆጻጸሪ ሕግን ብትራምፕ ዝምራሕ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘካይዶ ዘሎ ምስፋሕ ስልጣን ርእሰ ብሔርን ዝቃወሙ ጭርሖትትን ኣሳእልን ሒዞም ከም ዝነበሩን ኣብ ዋሽንግተን፡ ኣሽሓት ሰባት ናብ ናሽናል ሞል እተሰምየ ናይ ሊንከን ሓወልቲ ናብ ዝተነብረሉ ኣደባባይ ከም ዝኸዱን ኣብ ኒውዮርክ ጽዑቕ ህዝቢ ብታይምስ ስኴርን ሚድታውን ማንሃታንን ከም ዝሓለፈን፡ ኣብ ቦስተን፡ ኣትላንታ፡ ሳንዲያጎን ካልኦት ብዙሓት ከተማታት እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታ ምክያዱ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ጠቒሱ እንከመላኽት፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ እዋን ፌደራላዊ ስርሒታት ሓይሊ ጸጥታ ተቖጻጻሪ ስደተይናታት ዝተቐትሉ ጉዳይ ክልተ ዜጋታት ኣመሪካ ረኒ ጉድን ኣሌክስ ፕረቲን ዳግማይ ማእከል ክትዕ ኣብ ዝኾነላ ከተማታት ሚነሶታ፡ ኣብ መንጎ ሚኒያፖሊስን ሴንት ፖልን ከተማታት እቲ ቀንዲ ፍጻመ ዘአንገዳ ከም ዝኾናን፡ ብሩስ ስፕሪንግስቲን እውን ናብ መድረኽ ወጺኡ፡ ንዝኽሪ እቶም ክልተ ግዳያት ዝደረሳን ዝገጠማን "ጎደናታት ሚኒያፖሊስ" እትብል ደርፉ ከም ዘቕረበን። ከም በዓል ቤኒ ሳንደርስን ኣመሓዳሪ ሚነሶታ ቲም ዋልዝን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባትን ኣባላት ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ውድብ እውን ከም እተሳተፉ የመላኽት።