ትራምፕ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢራን ክሃርም እየ እንክብል የፈራርሕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ዳግማይ እንተዘይተኸፊቱ፡ ሓይሊ ምክልኻል ሃገሩ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢራን “ክድምስስ” እዩ እንክብል ንዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ኢራን እዚ መጥቃዕቲ እዚ እንተድኣ ተተግቢሩ፡ ንኹሎም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ምስ ኣሜሪካ ዝተኣሳሰሩ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዒላማ ክትገብር ምዃና ትገልጽ።
ብመሰረት ከፊል ወግዓዊ ማዕከን ዜና መህር፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ኢራን፡ እቲ መጻብቦ ብጀካ “ናይ ጸላእቲ ኢራን” ዝኾና ሃገራት መራኽብ፡ ንኽልኦት ናይ ኩለን ሃገራት መራኽብ ክፉት እዩ እንክብል መግለጺ ከም ዝሃበ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ደቡባዊ እስራእኤል ኢራን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝቖሰሉ ናይ እስራኤል ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ከም ዝሓበረን፡ እቲ መጥቃዕቲ ድማ ነቲ ኣብ ከተማ ዲሞና ዝርከብ መሳለጥያ ኑክልየሳዊ ማእከል ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ይሕብር።
ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ክልተ ማካይን ከም እተወቕዓን ሓደ ሰብ ድማ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞ ክንገር እንከሎ እስራኤል ናብ ዕለት 22 መጋቢት ዘሰጋግር ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ቴህራን መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ይንገር፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካብ ኢራን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምዝዓገታ ኣፍሊጠን።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ፡ ኢራን ኣብቲ ኣብ ድየጎ ጋርስያ ዝርከብ ሓባራዊ መደበር ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካብ ሓሙስ ኣጋምሸት ክሳብ ዓርቢ ፈተነ መጥቃዕቲ ከምዘካየደትን እንተኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ይቨት ኩፐር ብሪጣንያ ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ከምዘይትኣቱ የረጋግጽ።
ኣቐዲሙ፡ ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኢራን፡ ሕቡራት መንግስታት መሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃቲ ካብ ዝጅምሩ ኣብ ልዕሊ 80 ሽሕ በርገሳዊ ቦታታት መጥቃዕቲ ከም ዝወረደ እክሕብር፡ ብመሰረት እቲ ትካል 12 ሰራሕተይናታት ሕክምና ከም እተቐትሉን ልዕሊ 90 ድማ ከም ዝቖሰሉ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ይሕብሩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ቴህራንን ካልኦት ሓያሎ ከተማታት ኢራን ብዝፈጸመኦ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ነበር ዓሊ ካሜነይ፣ ላዕለዎት ኣዘዝትን ሰላማውያን ሰባትን ከም እተቐትሉን ኢራን እውን ኣብ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዝርከቡ መደበራት እስራኤልን ኣሜሪካን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከም ዝፈጸመት ይንገር።