ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሶማልያ ዳግማይ ሓደገይና ጥምየት ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ይሕብር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሶማልያ ዳግማይ ሓደገይና ጥምየት ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ይሕብር   (AFP or licensors)

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሶማልያ ዳግማይ ሓደገይና ጥምየት ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ይሕብር

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን እኹል ሓገዝ ዘይምህላውን ዘስዕቦ ዘሎ ስግኣት ብምሕባር፣ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ንኣሽቱ ህጻናት ዝርከብዎም ክልተ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ እታ ሃገር ካብ መጀመርታ 2026 እትሒዞም ንሕዱር ዘይውሕስነት መግቢ ተቓሊዖም ኣለዉ እንክብል ከም ዘመልከተ ዜና ቫቲካን መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሶማልያ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ 2026፡ 6.5 ሚልዮን ሰባት ጽዑቕ ዘይውሕስነት መግቢ ከጋጥሞም ስለዝኽእልን ድሮ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ ኣጋጢሙ ምህላዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመሰረት ሓደሽቲ ትንበያታት እተወሃሃደ ደረጃ ውሕስነት ምግቢ (IPC) የጠንቅቕ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፊደስ ማዕከን ዜና ቫቲካን፡ እቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም 1.8 ሚልዮን ህጻናት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ድሮ ብሕዱር ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከም ዘለዉን

ሲሶ ካብቶም 19 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ምዕራፍ 3 ሕዱር ዘይውሕስነት መግቢ ክምደቡ እንከለዉ፡ 4 ሚልዮን ድማ ኣብ ምዕራፍ 4 በጺሖም ከም ዘለዉን፡ እዚ ድማ ከም ህጹጽ ደረጃ ዝቑጸር ኮይኑ፡ እቲ ጸብጻብ ኣብዚ እዋን’ዚ ሶማልያ ናብ ሓደገይና ኣዕናዊ ደረጃ ተቓሪባ ከም ዘላ ዘረጋግጽ ምድብ ምዃኑ የመላኽት።

ኪብድ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር

እዚ ቅልውላው ጥሜት፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ዓመት 2025 ዘጋጠመ ከቢድ ደርቂ ስዒቡ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ነቲ ካብ ጥሜት ብኸፊል ዕረፍቲ ዝሃበ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ዝናብ እዋን ብሃንደበት ቅድሚ ምኩላፉ ኣቐዲሙ ኣብ 2025 ኣስታት 3.4 ሚልዮን ሰባት ብሕዱር ዘይውሕስነት መግቢ ተሃስዮም ከም ዝነበሩን፡ እቲ ቁጽሪ ድማ ኣዝዩ ብቕልጡፍ ይውስኽ ምህላዉ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡ ብሕርሻን ጥሪትን ዝመሓደር ዞባታት ማእከላይን ደቡብን ሶማሊያ ብኸቢድ ዝተሃሰየ ከም ዝኾነን፡  ጓሶትን ሓረስቶቶን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ዝያዳ ዝተሃስዩ ጉጅለታት ኮይኖም ክቕጽሉ እንከለዉ፣ ሰሜናዊ ዞባታት ድማ ብተነጻጻሪ ዝወሓደ ጸገማት ዘጋጠሞ ምዃኑ የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዝገደደ ህጹጽ ኩነታት ኣየር ጥራይ ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ ቀጻሊ ጅሃዳዊ ዓመጽን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ንመነባብሮን ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ኣዚዩ ጸገም ዝፈጥር ኮይኑ፡ እዚ ድማ ንጻዕርታት ምሕዋይ የዳኽም ምህላዉ ይንገር። ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣቑሑት ዝውስኽ ዘሎ ዋጋ፡ ምስ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ እቶት ዘይሰማማዕ ብምዃኑ፡ ዓዳጊ ዘይብሉ ኮይኑ ከም ዝተርፍን ኣህጉራዊ ሓገዛት ኣዝዩ ከም ዝነከየ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ካብቶም ሓገዝ ዘድልዮም 17% ጥራይ ሓገዝ ከም ዝረኸቡን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ መረዳእታ ድማ 9% ከምዝሸፈነ ዘረጋግጽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት  ጠቒሱ የመላኽት።

መንግስታዊ ምላሽን ህጹጽ ጻውዒት ሓገዝን

ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት መልሲ ንምሃብ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሞቓድሾ ኣኼባታት ብምጽዋዕ፡ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው መግቢ ንምምካት ዝሕግዙ ስነ መላዊ መዳያት ከም ዝዳህሰስሱን ተወከልቲ ቤት ጽሕፈት መራሔ መንግስቲ፣ ሚኒስቴር ትምህርትን ባህልን፣ ትካል ምሕደራ ሓደጋን (ሶድማ) ሃገራዊ ምላሽ ንምጥንኻር ኣሚቱ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ኩለ መዳያዊ መፍትሒ ከም ዘየቕረበን፡ ተዓዘብቲ፡ እቲ ክውሰድ ዝቐረበ ስጉምትታት፡ ንዓቐን ናይቲ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እኹል ከምዘይመስል እንክሕብሩ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዋና ኣመሓዳሪ ትካል ምሕደራ ሓደጋ ማሕሙድ ሞኣሊም ዓብዱለ ንዜጋታትን ኣብ ስደት ንዝርከቡ ሶማልያውያን ንጻዕርታት ረድኤት ድርቂ ገንዘባዊ ደገፍ ክገብሩን ክልቲኡ ውሽጣዊ ምትሕግጋዝን ዝተሓደሰ ኣህጉራዊ ጽምዶን ብህጹጽ የድሊ እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበን ሶማልያ ንሃገራዊ ሓድነት ዘስግእ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ትቃለስ ምህላዋ፡ እቲ ሰብኣዊ ኩነታት ድማ ነቲ ቅልውላው ከናውሖ ከም ዝኽእል ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

04 Mar 2026, 15:38