እስራኤል ንሓላፊ ስለያ ኢራን ቀቲላ፡ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እትፍንዎ መጥቓዕቲ ተሐይል እስራኤል ንሓላፊ ስለያ ኢራን ቀቲላ፡ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እትፍንዎ መጥቓዕቲ ተሐይል 

እስራኤል ንሓላፊ ስለያ ኢራን ቀቲላ፡ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እትፍንዎ መጥቓዕቲ ተሐይል

እስራኤል ሚኒስተር ስለያ ኢራን እስማዒል ካቲብ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለን ኣብ መንጎ ሂዝቦላህን ተልኣቪቭን ድሕሪ እቲ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ኣብ ልዕሊ ቤሩት ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ተሐይል ምህላዋ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እስራኤል ሚኒስተር ስለያ ኢራን እስማዒል ካቲብ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ገሊጻ፡ እዚ ጸብጻብ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጸጥታ ኢራን ዓሊ ላሪጃኒ፡ ብፍሉይ መጥቃዕቲ እስራኤል ድሕሪ ምቕታሉ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ ዝተፈጸመ እውን ምዃኑ ኣፍሊጣ።

ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ብኢራንን መሻርኽቲ ጉጅለታት ምልሻን ዝካየድ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ይቕጽል ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ተልኣቪቭ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ዱባይ፡ ቀጠር፡ ኩዌት፡ ዒራቕ፡ ባሕሬንን ስዑዲ ዓረብን ፍንጀራን ምዕጋት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ከምዝተራእየ እውን ይንገር።

ኣቐዲሙ፡ ሰራዊት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ‑፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዝርከቡ ቦታታት ሚሳይል ኢራን ንምውቃዕ፡ ፍሉይ ቦምባታት ከምዝተጠቀመት ክሕበር እንከሎ እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ጽዕነት ነዳዲ ቁልፊ መስመር ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ፡እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብኢራን ብኣድማዒ መንገዲ ተዓጽዩ ከም ዘሎ እዩ ዝፍለጥ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሂዝቦላህ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ቤሩት ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ተካይድ ምህላዋን፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣንጻር መደበራት ሂዝቦላህ “ውሱንን ዒላማ ዝገበረን ናይ መሬት ስርሒታት” ከምዝጀመረ ይንገር።

ሓይልታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ኲናት ካብ ዝጅምራ ንደሓር፡ ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ከም እተመዛበሉ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ግጭት ኣብ ንግዳዊ መራኽብ ዘስዕቦ ጽልዋ ዝፈጥሮ ስክፍታ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣህጉራዊ ውድብ ባሕሪ ኣብ ለንደን ህጹጽ ኣኼባ ንምክያድ ይሸባሸብ ከም ዘሎን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ባሕረይናታትን መራኽብን ኣብ ወሽመጥ ወይ ኣብ ጥቓኡ ተዓጽዮም ከም ዘለዉን

እቲ ናይ ክልተ ‑ መዓልታት ኣኼባ፡ መራኽብን ሰራሕተይናታትን ካብ ወሽመጥ ፋርስ ንምእላይ ውሑስ ባሕራዊ መሰጋገሪ ንኽህሉ ዝቐረበ እማመ ሓዊሱ ረቂቕ ውሳኔታት ክቕርብ ትጽቢት ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 Mar 2026, 16:39