ክኢላታት ሕክምና ሕጻናት ስድራ ቤታት ካብ ምልክታት ናይ ኣመጋግባ ምዝንባል ክጥንቀቓ ይምሕጸኑ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ቀቅድሚ እቲ ብዕለት 15 መጋቢት ዚካየድ ሃገራዊ መዓልቲ ግደያት ዘቤታዊ ዓመጽ ፈደረሽን ሓካይም ሕጻናት ኢጣልያ (FIMP) ስድራ ቤታትን ወለድን፡ ነቲ ኣብ ጥዕና ንኣሽቱ ሕጻናት ዘሎ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት፡ ተጠንቂቖም ኪርእይዎ ይዕድም።
ምስ ዕቤት ዘይቃዶ፡ ኣብ ምግብን፡ ክብደት ኣብ ምጥፋእን ምውሳኽን ዚርአ ለውጥታት፡ ገለ ካብቲ ናይ ኣመጋግባ ምዝንባል ከም ዝጀመረ ዚሕብር ምልክታት እዩ።
ኣቀዲሙ ንመንእሰያት ዚትንክፍ ዝነበረ ናይ ኣመጋግባ ምዝንባል ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ንኡስ ዕድመ ይርአ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ኣብ ንኣሽቱ ሕጻናት እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሻቕሎት
ክኢላታት ሕክምና ሕጻናት፡ ምጅማር ናይዞም ጸገማት ወይ ሕማማት፡ ኣብ ትሕቲ ሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ዓመት ዝዕድሚኦም ሕጻናት ይዓቢ ምህላው የጠንቅቑ።
ኣብዚ ቐረባ ጊዜ እተገብረ ገምጋም ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ኢጣልያ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ከም ሸውሃት ኣልቦነት፡ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል፡ ተምላስ፡ ምብስባስ ስኒ ዝመለለይኡ ሕማም ቡሊሚያ ከምኡውን ካብ መጠን ንላዕሊ ናይ ምብላዕን ምስታይን ምዝንባል ዝኣመሰለ፡ ናይ ኣመጋግባ ምዝንባል ዘለዎም ኣለዉ።
30 ሚእታዊት ካብቶም በዚ ሕማም እዚ እተጠቕዑ ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ሕጻናት ስለ ዝዀኑ፡ እዚ ዝንባለ እዚ ንክኢላታት ሕክምና ሕጻናት የሻቕሎም ኣሎ። ኣብ መንጎ ወለድን ኣለይቲ ሕሙማትን መምህራንን ዝያዳ ንቅሓት ክህሉ ድማ ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሕ።
ናይ ኣመጋግባ ምዝንባል፡ ናይ ምግብን ክብደትን ሻቕሎት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ቓልሲ እውን ዘጠቓልል እተሓላለኸ ኵነታት ኢዩ።
ኣብ ጊዜ ቝልዕነት ናይ ኣመጋግባ ምዝንባል ምስ ዚርአ፡ ንኣካላዊ ዕቤትን፡ ስምዒታዊ ዕቤትን፡ ሓፈሻዊ ድሕንነትን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ፣ ስለዚ ኣቐዲምካ ምፍላጥን፡ ስጉምቲ ምውሳድን የድሊ።
ናይ መጀመርታ መጠንቀቕታ ምልክታት
ብመሰረት ክኢላታት ሕክምና ሕጻናት፡ ስድራ ቤታት ናይ መጀመርታ ምልክታት ናይ ኣመጋግባ ምዝንባል ኣብ ምልላይ፡ ወሳኒ ግደ ኣለወን። ሓደ ሕጻን ምስ ምግቢ ዘለዎ ርክብ ሃንደበታዊ ለውጥታት፡ ሓደ ካብቲ ቐዳማይ ምልክታት ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።
እዚ ከኣ ንገለ ዓይነታት ምግቢ ምእባይ፡ ጽኑዕ ናይ ኣመጋግባ ልማድ ምምዕባል፡ ወይ ብዛዕባ ናይ መግቢ ጊዜ ምጭናቕ የጠቓልል።
ምስ ንቡር ኣገባብ ዕቤት ዘይሰማማዕ ዘይተጸበኻዮ ናይ ክብደት ለውጥታት ወይ ኣብ እዋን መኣዲ ናይ ምቍራጽ ዝንባለ ኣቓልቦ ክግበረሉ ኣለዎ።
ወለዲ ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ዕሽሽ ኪብልዎ ወይ ግዝያዊ ደረጃ ከም ዝዀነ ገይሮም ኪሓስቡ የብሎምን፣ ኣብ ክንዳኡስ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ምስ ናይ ሕጻናት ሓካይም ክማኽሩ ኣለዎም።
እዚ ምስ ክኢላታት ሕክምና ሕጻናትን፡ ክኢላታት ኣመጋግባን ዚተሓሓዝ እዋናዊ ክንክን ሓጋዚ ኢዩ።
ብዛዕባ እዚ ሕማማት እዚ ንቕሓት እናዓበየ ምስ ከደ፡ ከም ሃገራዊ መዓልቲ ግደያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝኣመሰለ ተበግሶታት፡ ንምክልኻልን፡ ኣቐዲምካ ንስጕምቲ ምውሳድን፡ ጥዕና መጻኢ መንእሰያት ኣብ ምዕቃብ፡ ወሳኒ ለውጢ ከምጽእ ከም ዚኽእል ኣገዳሲ መዘኻኸሪ ኰይኑ ከገልግል ይኽእል ኢዩ።