ስርዓት ፈረሰይናታት ማልታ ሊባኖስ ንዝተሓደሰ ቅልውላው ምዝንባል ምላሽ ይህብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ መጥቓዕቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን ብሓይልታት ኢራን ዝካየድ ዘሎ ጸረ-መጥቃዕትን፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ንሂዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ እትፍንዎ ዘላ መጥቃዕቲ ዳርጋ 300 ሰባት ከም እተቐትሉን እቲ ኲናት ካብ ዝብገስ ኣትሒዙ ኣብተን ቀዳሞት ሸሞንተ መዓልታት ናይቲ ኲናት ካልኦት 1000 ከም ዝቖሰሉን ልዕሊ 500 ሽሕ ድማ ካብ ኣባይቶም ከም እተመዛብሉ እንክንገር፡ ነቲ ኣብ ጽንኩር ኲነታት ዝርከብ ሕዝቢ ንምድጋፍ ዝንቀሳቐሱ ትካላት ብቐዳምነት ስርዓት ማልታ ጨንፈር ሊባኖስ ይጥቀስ።
ሓላፊት ልምዓትን ርክብን ስርዓት ማልታ ጨንፈር ሊባኖስ ዑማይማ ፋራሕ ምስ ራድዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፡ እቲ ዝሕገዝ ዘሎ ህዝቢ ዳግማይ ነዚ መከራ ተጸሚሙ ክነበር ዝብል ኩነታት ከይህሉ ይፈርሕ፡ ሰራሕተይናታት ረድኤት ድሮ ነቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ኣቐዲሙ ዘጋጠሞም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ምግዓዝን ዘይምርግጋእን ቅልውላው ምኽንያት ካብ መረበቶም ንዝመዛበሉ ኣድላይነታት ንምምላእ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ሓቢራ፡ “ሎሚ ሊባኖስ ዳግማይ ዓቢ ቅልውላው ከም ዘጋጠማን እዚ ብሰንኪ እቲ ዳግማይ ነታ ሃገር ዝሃርም ዘሎ ኲናት ዝፈጥሮ ዘሎ ምዃኑ ፋራሕ ኣብሪሃ እዚ ሕጂ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግጭት 2024 ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ኣመልኪታ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 5 መጋቢት ምሸት ነበርቲ ብጀካ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከባ ዓድታት ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ደቡባዊ ከባቢታት ቤሩት ክወጹ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ፡ እቲ ኩነታት ኣዝዩ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። "ሓደ ወይ ክልተ ጎረባብቲ ዞባታት ጥራይ ዘይኰነስ ንብምሉኡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ጻውዒት ክቐርብ ንፈለማ እዩ። ኣስታት 500,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ተመዛበሉን መብዛሕቲኦም ከኣ ናበይ ከም ዚኸዱ ዘይፈልጡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝጓዓዙ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ጎደናታት ፋሕ ኢሎም ኣለዉ።
ህውከትን ፍርሕን
ኣባይቲ ስድራ ካብ ቦምባታት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ህውከት ዝመልኦ ትርኢታት ከም ዝረአን፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብሓቂ ዘስካሕክሕ ከም ዝኾነን ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣባይቲ ስድራ ክሳብ ሕጂ ኣብ መካይኖም ተዓቝይቦም ከም ዘለዉን ካልኦት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ግጭታት ብዘጋጠሞም ኣጸጋሚ ተመኩሮታት ናብ መዕቆቢ ቦታታት ንምእታው ፍቓደይናታት ኣይኮኑን። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብዙሓት እቶም ብርግጽ ዕቝባ ዝሓተቱ ናብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበሩሉ መዕቆቢ ይምለሱ ምህላዎም ኣመላኺታ፡ ብፍላይ ነተን ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ዝህባ ሰብኣዊ ጉጅለታት፡ እቲ ዝደጋገም ዘሎ ቅልውላው ኣዝዩ ዘሕምምን ነቲ ህዝቢ ናብ ርእሰ ብቕዓት ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕሪ ዘሰናኽል ጽግዕተይና ርድኤት ኮይኖን ንኽተርፉ ዝገድድ ኩነት እዩ ዝፈጥር። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስምዒታዊ ዕንወት ርኡይ ምዃኑ እውን ሓቢራ፡ ሊባኖሳውያን ክንድዚ ዝኣክል እሞ መዕለቢ ዘይብሉ ቃንዛን ስቓይን ኣይምተገበኣን ቢላ ጓሂኣ ትገልጽ።
ኣገልግሎት ስርዓት ማልታ ኣብ ሊባኖስ
ኣብ እዋን ግጭት 2024፡ ጨንፈር ስርዓት ማልታ ኣብ ሊባኖስ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ኣስታት 80 መዕቆቢታት ንዝካየድ ስርሒታት ከም ዝደገፈን፡ ሎሚ እውን እንተኾነ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድሌታት ኣብ ጸገም ዝርከብ ህዝቢ ሊባኖስ ንምምላእ ዳግማይ ይንቀሳቐስ ኣሎ። "እቶም መዕቆቢታት ብሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያትን ሚኒስትሪ ህዝባዊ ጥዕናን ዝውድቦም እያቶም፡ ሰራሕተይናታትናን ከምኡ እውን ኣባላት ስርዓት ማልታን ዳግማይ ንዋፈር ኣሎና። ብርታዐ ትካልና ድማ ኣብቲ ከባቢ ህላወኡ እዩ። ኣስታት 60 ውጥናትን መደባትን ዝሓዘ ኣገልግሎት ስርዓት ማልታ ነዚ ዓቢ ቅልውላው ብቕልጡፍ ምላሽ ክንህብ ዘኽእለና ድልዱል መሰረት ይህበና። ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ፡ እቲ ትካል ፡ ንቡር ማእከላት ጥዕና ማሕበረሰብን ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት ሕክምናን የካይድ፡ ብቐጻሊ ሓያሎ ኣብ ጥቓ ዶብ ዝርከቡ ከባቢታት ሓዊሱ ንኣስታት 40 ዓድታት ዝሽፍን ኣገልግሎት የቕርብ። ይኹን እምበር፡ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ቦምባታትን ዕንወትን፡ ኣሃዱታት ስርሒታቱ ብቐጻሊ ከመዓራሪ የገድዶ።
ምስቲ ድሌታት ምትዕጽጻፍ
"ብመሰረት እተን ክብጽሓ ኣጸጋሚ ዝኾና ኣቝሻት ወይ ናብቲ እተመዛበሉ ሰባት ዝእከቡሉ ቦታታት ዘድሊ ኩሉ ንምቕራብ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣናንበብና ብቐጻሊ ምትዕርራይ ክንገብር ንሕተት። ምስ እዚ ኩሉ ብድሆታት እዚ ዘሎ ተወፋይነት ዝነኣድ እዩ። ኣብ ተልእኾ ስርዓት ማልታ ጨንፈር ሊባኖስ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ንድኻታትን ሕሙማትን ምግልጋል ከምኡውን እምነት ንምዕቃብን ዘርእይዎ ተወፋይነቶም ብሓቂ ዘሕጉስ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሊባኖስ ኣስታት 500,000 ሰባት ከም ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ምዝጉባት እኳ እንተኾኑ ብዙሓት ዘይተመገቡ ኣለዉ፡ ካብዚኣቶም ኣስታት 117,000 ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መዕቈቢ ከም ዝርከቡን ካልኦት ከኣ ኣብቲ ሰበ - ስልጣን ዝያዳ ድሕንነት ኣብ ዘረጋግጽሉ ቦታ ወይ ምስ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ተዓቚቦም ይርከቡ።
ክንክን ጥዕና
ኣብ መንጎ ተመዛበልቲ ማሕበረሰባት ዘሎ ድሌታት ሰፊሕ ስለዝኾነ፡ ሰብኣዊ ጉጅለታት ሕክምናዊ ምኽሪ፡ ኣገደስቲ መድሃኒታት - ብፍላይ ንሕዱር ጒድለት ጥዕና ዘለዎም ሕሙማት - ከምኡ'ውን ጥዕና ኣእምሮን ስነ - ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ይህባ። ብተወሳኺ ናይ ጽሬት ናውቲ፡ ንህጻናት ዝኸውን ስነ - ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡ'ውን ናይ ክረምቲ ናውቲ ንዕድል። ህጻናት ካብቶም በዚ ቅልውላው እዚ ኣዝዮም ዝተሃስዩ ምዃኖም" ክርሳዕ ከም ዘይብሉ ተተሓሳስብ።
መግብን መጽለልን
ሓገዝ መግቢ እውን ቀዳምነት ዝወሃቦ ኮይኑ፡ እቲ ትካል መሰረታዊ ድሌታት ንምምላእ ንዝቃለሱ ኣባይቲ ስድራ ውዑይን ዝተመጣጠነ መግቢ ከም ዝዕደልን ብዙሓት መዕቆቢታት፡ ናብ ግዝያዊ መንበሪ ዝተቐየራ ኣብያተ ትምህርቲ ምዃኑ እውን ኣመላኺታ፡ "ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ብውሑዱ ካብ 10 ክሳብ 12 ሰባት ኣብ መሬት ዝድቅሱሉ ንእሽቶ ቦታ ይኸውን፡ ኩሉ ድማ ናይ ሓባር ምዃኑ ትሕብር።
ዘይርጉጽነት
ንብዙሓት ሊባኖሳውያን እቲ ዝዓበየ ጾር ዘይርጉጽነት እዩ፡ "እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜጨንቕ እቲ ኩሉ መዓት ዘይውዳእ ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም እተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ኣብ መንጎ እቶም ኣአንገድቲ ማሕበረሰባትን ዓብዪ ተስፋ ምቝራጽን ቍጥዓን ይፈጥር” ምህላዉ ኣረጋጊጻ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።