ድለ

ኣብ ልዕሊ ዒራን መጥቓዕቲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ሓደ ሽሕ ህጻናት ተቐቲሎም ኣብ ልዕሊ ዒራን መጥቓዕቲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ሓደ ሽሕ ህጻናት ተቐቲሎም  (AFP or licensors)

ኣብ ልዕሊ ዒራን መጥቓዕቲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ሓደ ሽሕ ህጻናት ተቐቲሎም

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምራ ኣትሒዙ 1.100 ህጻናት ብደብዳብ ቦምባ ሞትን ማህሰይትን ከም ዘጋጠሞም ብመሰረት መረዳእታ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሕበር እንከሎ፡ ኣባይቲ ሕክምና ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ህይወት ህጻናት ዝምርኮሰሎም ስርዓታት ማይን ጽሬትን ሓዊሱ ማሕበረሰብኣዊ ትሕተ ቅርጺ፡ በቶም ተዋጋእቲ ወገናት መጥቃዕቲ ይወርዶ ከም ዘሎን፡ ብሰብኣዊ ሓገዝን ውጥናት ልምዓትን ኣቢሉ ካብ ዓለም ድኽነት ንምንካይ ዝውፈ ዘይመኽሰባዊ ዓለም ለኻዊ ፈደራላዊ ትካል - Oxfam ሓቢሩ ምውሳኽ እቲ ዓመጽ ን60 ሚልዮን ሰባት ክጸልዎም ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ዘሕዝን ግጭትን ኲናትን ብደም እተለኽየ ምሳልያዊ ወጅሂ ኣለዎ እዚ ድማ እቶም ብቦምባታት ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝቘሰሉን ቈልዑ ዝውክል ቍጽሪ ዝምልከትን ቁጽሪ ናይዞም ዝቕተሉ ሕጻናት ብዘስካሕክሕ መገዲ ይውስኽ ምህላዉን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ ዘበግሳ ንነጀው ልዕሊ 1,100 ቈልዑ ብሚሳይላትን ብሰብ ኣልቦ ናይ ውግእ ነፈርትን ከም እተቐትሉ ወይ ከም ዝቖሰሉ እቲ ዓለም ሓቆፍ ትካል የረጋግጽ።

ዝተጣሕሰ መሰል

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ህጻናት - UNICEF ዝተዘርግሐ ልቢ ዝሰብር ጸብጻብ ኣብ ኢራን ጥራይ 200 ህጻናት፡ ኣብ ሊባኖስ 91፡ ኣብ እስራኤል ኣርባዕተ፡ ኣብ ኩዌት ድማ ሓደ ከምዝሞቱ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ እዚ ቁጽርታት እዚ ብዘይምቁራጽ ክውስኽ ከም ዝኽእልን፡ "ህይወት ህጻናት ዝምርኮሰሎም ኣባይቲ ሕክምና፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከምኡ'ውን ስርዓታት ማይን ጽሬትን ሓዊሱ ማሕበራዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ ብወገናት እቶም ውግእ ዘካይዱ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ኣመላኺቱ፡ ብተወሳኺ ንማሕበረሰብ ዓለም "ኣብ ዕጥቃዊ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ምጥሓስ ከም ዝኾነን፡ እዚ ድማ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ህጻናት - ኩሎም 200 ሚልዮን - ዓለም ንሰላም ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክትወስድ ይጽበዩ ኣለዉ" እንክብል ጻውዒት ሰላም ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሊባኖስ ኣብ ህውከት

ሰብኣዊ ኩነታት ቃል ብቓሉ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምዃኑ ንምግንዛብ፡ ንሊባኖስ ጥራይ ምጥማት የድሊ። ወራርን ቦምባታትን እስራኤል ኣብ ሃገር ቄድሮስ ሞት ጥራይ ዘይኮነ ዘስፍሕ ናብ ምፍራስ ገጻ ዝድርኻ እውን ምዃኑ ዘረጋግጽን ብውሕዱ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብሰብኣዊ ሓገዝን ውጥናት ልምዓትን ኣቢሉ ካብ ዓለም ድኽነት ንምንካይ ዝውፈ ዘይመኽሰባዊ ዓለም ለኻዊ ፈደራላዊ ትካል - Oxfam ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ፡ ኣባይቶም ክገድፉ ከም እተገደዱን፡ ካብኣቶም ድማ 117 ሽሕ ጥራይ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት መጽለሊ ክረኽቡ ምኽኣሎም ነቲ ጸብጻብ ኣማእኪሉ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኦክስፋም ጨንፈር ኢጣልያ ፓውሎ ፔዛቲ ብምምልካት፡ "እዚኦም ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋል ህዝቢ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘጋጠመ ገና ዘይሓወየ ማዕበል ዓመጽ ናብ ምሉእ ጥፍኣት ዘበጽሕ ሳዕቤን እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቓዛ ህዝቢ ብጥምየት ይመውት ኣሎ

ኣብ ቓዛ ከይተረፈ ህዝቢ ብጥሜት ይሳቐ ከም ዘሎ ኦክስፋም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፡ "ዋጋታት መሰረታዊ ኣቑሑት ሰማይ ዓሪጉ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ኩነታት የጋድዶ ከም ዘሎን፡ እቲ ህዝቢ ድሮ ኩሉ ኣገዳሰንታት ተሓሪሙ: ኣብ ገለ ከባቢታት ከተማ ቓዛ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ሰባት ኣብ መዓልቲ ብኽልተ ሊትሮ ማይ ጥራይ ይነብሩ ከም ዘለዉን፡ መግብን ኣገደስቲ ቀረብን ድማ ኣብ ዕዳጋታት ውሽጢ ዓዲ ምርካብ ዳርጋ ዘይከኣል ከም ዝኾነ የረጋግጽ።

ዓቢ ስክፍታ

እቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ ዓመጽ ዝያዳ ምብራኽ  እቲ ዝዓበየ ስክፍታ ኮይኑ፡ ከምቲ ባዕሉ ፔዛቲ ዘረጋግጾ፡ "እቶም ቀዳሞት ዝሳቐዩ እቶም ድሮ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምርኮሱ 60 ሚልዮን ሰባት እዮም፡ እዚ ሓድሽ ምብራኽ ግጭትን ወጥርን ኣብ ልዕሊ እቲ ብሰንኪ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ምርካብ ንህወት ኣድላይነታት ዝፍጠር ጸገማትን ከምኡ'ውን ማእለያ ዘይብሉ ኣካላውን ስርዓት ምሕደራን ከተዓናቕፍ ዝኽእል ኩነታት እናዕበየ ዝኸይድ ጸቕጢ ክብ ዘብሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ ብዝተኻእለ መጠን ሓቀይና ጥዕናውን ማሕበረ-ቁጠባውን ከየምጽአ እንከሎ ብዓንተውኡ ክፍታሕ ኣለዎ” እንክብል ከም ዘጠንቀቐ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጻውዒት ሰላም

ብሰብኣዊ ሓገዝን ውጥናት ልምዓትን ኣቢሉ ካብ ዓለም ድኽነት ንምንካይ ዝውፈ ዘይመኽሰባዊ ዓለም ለኻዊ ፈደራላዊ ትካል - Oxfam ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ህጻናት - UNICEFን ካልኦት ኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ሰብኣዊ ትካላትን ብምትሕብባር፡ እቲ ኲናት ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ስጉምቲ ደው ክብል፡ ነቶም ብጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ብትኽክል ክልለዩ፡ ከምኡ’ውን ንሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክሕለዉ ልባዊ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Mar 2026, 15:16