ድለ

LEBANON-VATICAN-RELIGION-POPE LEBANON-VATICAN-RELIGION-POPE  (AFP or Licensors)

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊባኖስ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ክርስትያን ሓገዝ ክግበረሎም ጻውኢት ኣቕሪቡ

ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ሓድሽ ግጭትን ቅልውላዋትን የጋጥመሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ኣብ ጥቓ ዶብ እስራኤል ተኸሲቱ ንዘሎ "ክርስትያናዊ ህላወ ንምዕቃብ" ካብ ቅድስቲ መንበር ሓገዝ ይሓትት።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገረ ሊባኖስ ነቶም ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ንዘለዉ ክርስትያን ምእመናን ንምዕቃብ፣ ካብ ቅድስቲ መንበር ሓገዝ ሓቲቱ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓድሽ ግጭት ካብ ዚለዓል ኣትሒዙ፣ ኣብ ጥቓ ዶብ እስራኤል ዝነበሩ ዘለዉ ክርስትያን ምእመናን ብዘየቋርጽ ደብዳብ ቦምባታትን፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምምዝባላትን ዘስገድድ ትእዛዛትን ተጻዊሮም ይነብሩ ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ዓብዪ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣኸቲሉ ይርከብ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ሊባኖስ ዩሴፍ ራጊ፣ ምስ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ቅድስቲ መንበር፣ ዝሓለፈ ሰሉስ ብናይ ስልኪ ጽውዒት ተራኺቡ ተዘራረበ፣ ብዛዕባ እቲ ዘካየድዎ ርክብ ድማ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ ብምርግጋው መግለጺ ኣውጽአ።

ሚስተር ራጊ ኣብቲ ኣብ ናይ ኤክስ ማሕበራዊ ገጻት ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘመልከቶም፣ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ሓድሽ ክስተታትን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዶባት ዝነብሩ ኣቝሻት ዘጋጥሞም ዘሎ ኣጸጋሚ ዅነታትን" ዘለዎ ሓሳባት ከም ዘካፈሎም ኣመልኪቱ።

"ቅድስቲ መንበር ኣብተን ተቐማጦአን ወትሩ ንመንግስቲ ሊባኖስን ወግዓዊ ወተሃደራዊ ትካላቱን ዝድግፉ፣ ከምኡውን ካብዚ ተጸምዶ እዚ ፈጺሞም ዘይረሓቑ ክርስቲያን ዝነበሩለን ዘለዉ ኣቝሻት ንምዕቃብ ጣልቃ ክኣቱን ሽምግልና ክገብቱን ምሕጽንታ ኣቕሪበ ኣሎኹ" በለ።

ብመሰረት እቲ ሚስተር ራጊ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ነዚ ከም ዝሰምሩሉን፣ "ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ደው ንምባልን ዜጋታት ካብ ሃገሮም ንኸይግዕዙ ንምክልኻልን ኵሉ ኣድላዪ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ትገብር ኣላ" ብምባል ኣረጋገጹሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊባኖስ ከም ዘመልከቶ፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ወሲኮም ብፁዕነቶምን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንህዝቢ ሊባኖስ ወትሩ ኣብ ጸሎትም ከም ዝዝክርዎም ኣረጋገጹሎም።

ዝሓለፈ ሰኑይ ሓደ ካቶሊካዊ ካህን ናይታ ሥርዓት ማሮናውያን እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝኾኑ ኣብ ቃሊያ ሊባኖስ ነቶም ቤቶም ብደብዳባት ታንክታት እተወቕዐ ምእመናን ኣብ ዝሕግዙሉ ዝነበሩ እዋን ከም እተቐትሉ እውን ዝዝከር ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ ምእንቲ ነፍሲ ክቡር ኣባ ፒየር ኤል-ራሂን "ዅሎም ንጹሃት ግዳያትን እንተላይ ምእንቲ ብዙሓት ቈልዑን ህጻናትን፣ ምእንቲ እቶም ዝሓገዙን" ከምኡውን ውግእ ደው ንኽብል ከም ዝጽልዩ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሊባኖስን ቱርኪን ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ከም ዘካየዱ እውን ዝዝከር ኢዩ።

ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክርስትያን ምእመናን ካብታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ ማሕበረሰብ ክርስትና እትቕበል ሃገር ብምግዓዞም ዝተሰምኦም ጓሂ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝንርከቡ ክርስትያን ምእመናን "ናይ ፍቕርን ሰላምን ስልጣነ" ናይ ምህናጽ ተልእኾ ከም ዘለዎም እውን ኣመልኪቶምሎም ነበሩ።

 

12 Mar 2026, 13:07