ቀዳማይ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዝርርብ ሰላም ኣብ ፓኪስታን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኢሻቅ ዳር ዕለት 29 መጋቢት ኣብ ርእሰ ከተማ ኢስላምባድ ኣብ መንጎ መራሕቲ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ስዑዲ ዓረብ ምስርን ቱርክን ድሕሪ እተገብረ ዓውደ ኣኼባ፡ "ፓኪስታን ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ትርጕም ዘለዎ ዘተ ክካይድ ከተቀላጥፍ ኢያ" ክብል እንከሎ፡ ይኹን እምበር ካብ ክልቲአን ሃገራት እቲ ግጭት ዋላ ሓንቲ ምላሽ ኣይረኸበን። ንኣቦ መንበር ህዝባዊ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባከር ካሊባፍ እቲ ዘተ ኣስታት 2,500 ባሕሪ ሃይሊ ሕ.መ. ኣመሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ገጾም ንኸብሉ ዝግበር ንዘሎ ስርሒት መሸፈኒ ጥራይ ክኸውን ዝኽእል እዩ ከም ዝበለን። "ቦምባትና ይቕጽል ኣሎ። ሚሳይላትና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። ቈራጽነትናን እምነትናን ወሲኹ እዩ" እንክብል ዝገለጸ መራሒ ኢራን ወሲኹ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ መሬት ወራር እንተ ቐጺሎም ከም ዜጥፍኡ ርግጸይና እየ ይብል።
ትራምፕ ግን ኣብ ተህራን ዝርከቡ ሓለውቲ ሰውራ 20 ነዳዲ ዝመልኣ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ከም ዝፈቐደ ብምግላጽ ብዛዕባ እቲ ዘተ እወታዊ ርእይቶ ይህብ። እቲ ውሳነ ሁቲ ናብ ውግእ ድሕሪ ምእታዎም ክልተ መዓልቲ ጸኒሑ ዝመጸ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ተወሳኺ ቅልውላው ከጋጥም ዝኽእል ምዃኑ እዩ ዝሕብር።
ኣብ መሬት ዘሎ ዝያዳ መስቀላዊ መጥቃዕትታት
ናይ ሰላም ዘተ ይካየድ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ባይታ መብረቓዊ መጥቃዕትታት እዩ ዝቕጽል ዘሎ። ሰራዊት እስራኤል ኣብ ማእከላይን ምዕራባውን ኢራን እንኮላይ ኣብ ቴህራን ልዕሊ 140 ብነፈርቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ብምግላጽ፡ ኣብ ተወንጫፊ መተኮሲ ቦታታትን መኽዘን ባሊስቲክ ሚሳይልን ካልእ ዕላማታት እውን ከም ዘጥቅዐት ትሕብር።
ዕለት 30 መጋቢት ኣብ ሓያሎ ኸባቢታት ኢራን ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም እተፈጸመ ክንገር እንከሎ። እቲ ወራር ካብ ገማግም ወሽመጥ ፋርስን ደቡባዊ ደሴታትን ክሳዕ ሰሜናዊ ኸተማታት እታ ሃገር ኣብ ዘሎ ኸባቢ ዘጥቀዐ ኮይኑ። ኢራን ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ ናይ ኤለክትሪክ መመንጨዊ ማእከል ኣብ ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ሓደ ህዳዊ ከም እተቐትለን፡ እዚ ድማ ሚኒስትሪ ሓይሊ ኤለትሪክ ማይን ጸዓትን ኩዌት ካብ ዝሃቦ መግለጺ ዝተረኽበ ኮይኑ። ኣብ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ኽፋል እታ ሃገር ኣብ ጥቓ ከተማ ብኤር - ሸባዕ ዚርከብ ናይ ስነ ቅመማ ፋብሪካ ዒላማ ከም ዝኾነን እስራኤል ካብ የመን ዝተፈነዋ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝዓገተት ትሕብር።
መደብ ሰራዊት ሕ.መ. ኣመሪካ ኣብ
እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕለት 27 መጋቢት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝበጽሑን ብመሰረት ዋሽንግተን ፖስት ፔንታጎን ንሓያሎ ሰሙናት ዝጸንሕ ናይ መሬት ወራር ይዳሎ እኳ እንተሎ፡ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ነዚ መደባት እዚ ከጽድቖ ይኹን ክነጽጎ ገና ንጹር ኣይኮነን፡ ትራምፕ ምስ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ - መሕትት ሓይልታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነታ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ቀንዲ ማእከል ነዳዲ ኢራን ዝዀነት ደሴት ካርግ ክቈጻጸሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ከም ዘበገሰን "ምናልባት ደሴት ካርግ ክንቆጻጸራን ከይንቆጻጸራን ብዙሕ ኣማራጽታት ኣሎና” ይብል።
ውግእ ኣብ ሊባኖስ
እቲ ውግእ ኣብ ግንባር ሊባኖስ እውን ይቕጽል ምህላዉን፦ ትማሊ ኣብ ደቡባዊ መሬት ቄድሮስ ሓደ ኣባል ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ኢንዶነዥያዊ ከም እተቐትለን፡ መንግስቲ ጃካርታ መቕተልቲ እቲ ኣባል ዓቃቢ ሰላም ዝኾነ ዜጋኡ መርመራ ክግበር ክትሓትት እንከሎ፡ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ኵሎም “ኣካላት እቲ ውግእ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘለዎም ግዴታ ከኽብሩ ከምኡውን ንወተሃደራት ተልእኾ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከእቱ ካብ ዝኽእል ስጕምትታት ክቝጠቡ ጻውዒት የቅርብ፡ እዚ ከምዚ ኡሉ እንከሎ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ኔታንያሁ ኣብ ሊባኖስ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 1238 ዝቖሰሉ ድማ ናብ 3500 ክብ ኣብ ዘበለሉ እዋን ወተሃደራት እስራኤል ዝቈጻጸርዎ ዞባ ከስፍሑ ከም ዝሓተተ ይንገር።