ላዕለዋይ መራሒ ሃገረ ኢራን ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ተቐቲሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላ ኣሊ ኻመኒ ዝሓልፈ ቀዳም ንግሆ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቲሉ።
ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓቦ መግለጺ፣ ኸሜኒ "ሓደ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ ካብ ዘለዉ እኩያት ሰባት" ክብል ብምጽዋዕ፣ ኢራናውያን ድማ ናብ "ሃገሮም ክምለሱ" ተማሕጸኖም።
ሰበ-ስልጣን ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰፈራታት ኣመሪካን እስራኤልን "ኣዝዩ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ" ከም ዝገብሩ ድማ ገሊጾም ኣለዉ። ርእሰ ብሔር ትራምፕ ብግዲኡ ኢራን ሕነ እንተ ፈዲያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሓይሊ" ምላሽ ክትህብ ምዃና ገሊጹ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እስራኤል ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ መጥቃዕቲ ኣየር ክትቅጽላ ከለዋ፣ ሓይልታታ "ኣብ ማእከል ተህራን" ዒላማ ገይሮም ይድብድቡ ከም ዘለዉ ገለጸት። ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዱባይ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ርእሰ ከተማ ካታር ዶሃ ባህሬን ኩዌትን መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመ እውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ እስራኤል ኣብ ቴል ኣቪቭ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ከም ዝገለጽዎ፣ ኢራን ባላስቲክ ሚሳይል ብምፍናው ኣብ ልዕሊ 40 ህንጻታት ዕንወት ብምውራድ፣ ክልተ ሰባት ከም ዝቐጠለት ኣፍሊጦም። ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል ካልኦት 20 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታላት ከም እተወስዱ ገሊጾም።
መንግስታዊ ትካል ዜና እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን ከም ዝገለጾ ድማ፣ ተህራን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 60 መጥቃዕትታት ከም ዝወረዳን 57 ሰባት ድማ ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
ኣቐድም ኣቢሉ ርእሰ ብሔር ቆጵሮስ ኒኮስ ክሪስቶዱሊደስ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኬር ስታርመር "ቆጵሮስ ዒላማ ከም ዘይኰነት ብንጹርን ብዘየማትእን መገዲ ክገልጽ" ጻውዒት ኣቕሪቡ ከም ዝነብረ ዝዝከር ኢዩ።
እዚ ርእይቶ እዚ ካብ መደበራት ምክልኻል ብሪጣንያ ክልተ ሚሳይላት ኢራን ናብታ ወተሃደራዊ መደበራት ብሪጣንያ ዝርከበላ ቆጵሮስ ከም እተተኰሰ ዝገልጽ ጸብጻባት እውን ኣስዒቡ ኣሎ።
ኣፈኛ መንግስቲ ቆጵሮስ ጸኒሑ ነዚ እኳ እንተ ነጸጎ፣ "ኣብታ ሃገር ስግኣት ከም ዘሎ ዝሕብር ዋላ ሓንቲ ምልክት የለን" ይብል።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ መንገዲ ኣየራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ በረራታት ይስርዛን መስመራተን ይቕይራን ከም ዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።