መግለጺ ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት መግለጺ ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት   (AFP or licensors)

መግለጺ ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት

ኢራን ኣብ ልዕሊ ኑክሌራዊ ህንጻ ናታንዝ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመ ድሕሪ ምግላጻ ናይ ኑክልየሳዊ ሓለዋ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኑክልየሳዊ ሓደጋ ንምውጋድ ወተሃደራዊ ግትኣት ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢራን መሳለጥያ ኑክሊየሳዊ ናታንዝ ማይ መጥቃዕቲ ዒላማ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጻ፡ ዕለት 21 መጋቢት ኑክልየሳዊ ጸዓት ተቖጻጻሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወተሃደራዊ ግትኣት ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረበ ክንገር እንከሎ፡ ናታንዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝተሃርመ ናይ ኢራን ሰለስተ ትሕቲ መሬት ኑክልየሳዊ ቦታታት ሓደ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ስዑዲ ዓረብ ብለይቲ ብዓሰርተታት ዝቝጸር መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዘተዓናቐፈት ትሕብር፡ ኩዌት እውን ብወገና "ናይ ጸላኢ ምፍርራህ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን" ምላሽ ንምሃብ ናይ ኣየር መከላኸሊ ስርዓታታ ከም ዝጀመረት ተረጋግጽ።

ኣብ ዒራቕ ዕለት 21 መጋቢት ንግሆ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስለላ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመን ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ ንኢራን ዝድገፍ ሓይሊ ሂዝቦላሕ ብዘካየድዎ ውግእ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝቐተሉ ከፍልጥ እንከሎ፡ መራኸቢ ብዙሓን ሊባኖስ እስራኤል ኣብ በይሩት ክልተ ወራር ከም ዘካየደትን ሂዝቦላ ድማ ኣብ ጥቓ ሰሜናዊት ከተማ ሮሽ ፒና ኣብ ዝርከብ ሰፈር እስራኤል ፊሎን ብተወንጫፊ ሮኬት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ይሕብር።

23 Mar 2026, 15:31