Aftermath of a strike on a residential building, in Tehran Aftermath of a strike on a residential building, in Tehran 

ኣብ ተህራን ምልኡ ለይቲ ከቢድ ደብዳብ ቦምብታት ክዘንም ሓዲሩ

ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት "ሰፊሕ" ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ከም ዘውረደ ብምግላጽ፣ ነቲ ሕጂ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን በጺሑ ዘሎ ግጭት ከም ዝጋደዶ ተፈሊጡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብቴለግራም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መግለጺ፣ ኣብ ቴህራንን ሺራዝን ታብሪዝን ኣብ ልዕሊ "ናይ ኢራን ግብረ-ሽበራዊ ሥርዓት" መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረ ገሊጹ። እቲ መጥቃዕትታት ደድሕሪ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን ዝወረደ ከቢድ ደብዳብ ከም እተፈጸመ ተገሊጹ ኣሎ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ተህራን ብዝወረደ ደብዳብ እቲ ዝሞተ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣሊ ኸመነኢ ዝጥቀመላ ዝንበረት ነፋሪት ከም ዝዓነወት እውን ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ሰራዊት ዝሃቦ ጸብጻብ፣ እታ ነፋሪት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ወተሃደራውያን መራሕትን ኢራን ኣጽዋር ንምዕዳግን ንምትሕብባርን ምስ ጥሙራት ሃገራት ንምትሕብባርን ይጥቀሙላ ከም ዝነብሩ እውን ይሕብር።

መንግስታት ወሽመጥ ዓረብ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ተወሳኺ መጥቃዕትታት ኢራን ብለይቲ ከም ዝወረዶም እውን ጸብጻባት ሂቦም።

ኣቐድም ኣቢሉ ትማሊ ሰኑይ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ሰፈራታት ህዝቦላህ "ውሱን ዕላማ ዘለዎ ናይ መሬት መጥቃዕታት" ከም ዝጀመረ እውን ኣፍሊጡ ኢዩ።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ጸብጻብ፣ እዚ ስጕምቲ እዚ ነቲ ሓይልታት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ውግእ ካብ ዝጅመራሉ እዋን ኣትሒዙ፣ ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ 800,000 ሰባት ከም እተመዛበሉን፣ እዚ ንሃገረ ኢራን ንዝድግፍ ጕጅለ ህዝበላህ ንምጥቃዕ፣ እስራኤል እትገብሮ ዘላ ወፈራ ድማ ካልእ ወሰኽ ቅልውላዋት ከም ዝፈጠረ የመላኽት።

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፣ ነቲ 20 ሚእታዊት ዓለምለኻዊ ነዳዲ ዘይቲ ዝሓልፈሉ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንምዕቃብ ምስ ሸውዓተ ሃገራት ይዘራረብ ከም ዘሎ እውን ገሊጹ።

ሓላፊ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ክፉት ንምግባር እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ከም ዝከኣል ክመያየጣ ምዃነን እውን ገለጹ።

ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ደድሕሪ እቲ ኢራን ኣብ ጥቓ እቲ ህንጻ ዝገብረቶ ደብዳብ ሚሳይል በረራታት ብኸፊሉ ጀሚሩ ኣሎ።

17 Mar 2026, 11:40