ድለ

ማሕበር ስምምዕ ሓምላይ መድርክኽ2026፡ ዘላቕነት፡ መራኸቢ ብዙሃንን ሓባራዊ መጻኢን ማሕበር ስምምዕ ሓምላይ መድርክኽ2026፡ ዘላቕነት፡ መራኸቢ ብዙሃንን ሓባራዊ መጻኢን 

ማሕበር ስምምዕ ሓምላይ መድርክኽ2026፡ ዘላቕነት፡ መራኸቢ ብዙሃንን ሓባራዊ መጻኢን

ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 100 ጋዜጠይናታት ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ስነ-ህይወት፡ ምህዞን ሓላፍነታዊ ርክብን ኣተኩይሮም ይዝትዩ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብማሕበር ስምምዕ ሓምላይ ዝድገፍ መበል 17 ኣህጉራዊ መድረኽ ሓበሬታ ምክልኻል ተፈጥሮ፡ ኣብቲ ዕለት 21 መጋቢት ዝዛዘም ዕለት 18 መጋቢት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ትረቪዞ ዝተኸፍተ ዓውደ ጉባኤ ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 100 ጋዜጠናታት ጎኒ ጎኒ ትካላዊ ወከልቲ፡ ህዝባዊ ኣመሓደርቲ፡ ትካላት ንግዲ፡ ምሁራትን ኣባላት ባህላዊ ጽላትን ዘጠቓለለ ኮይኑ ፡ ኣብ ከባብያውን ማሕበራውን ብድሆታት ኣህጉራዊ ዘተ ንኽካየድ ቦታ ዝፈጥር እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይቲ ናይ ለምዘበን ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል፡“መጻኢ ብሓባር ምህናጽ – ንመጻኢ ዝህልው ሓድሽ ሰብኣውነት” ዝብል ኮይኑ ብቐንዱ ውሁድ ኵለንተናዊ ምህዳር፡ ምትሕብባር ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ጽፉፍ ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ፡ መጻኢ ግዝኣታት ኣኽራን፡ ዘላቕነት ዓበይቲ ፍጻመታት፡ ከምኡ’ውን ሓላፍነት ዓለማዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብዛ ብዘይማዕርነት እትልለን ዝተበታተነት ዓለምን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዝዝትይ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ተስፋን ሓላፍነትን

ቅድሚ እቲ ወግዓዊ ምኽፋት እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣቦ መንበር ማሕበር ሓምላይ ስምምዕ ኣልፎንሶ ካውተሩቾ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ "ስክፍታ ዝፈጥርን መብዛሕትኡ ግዜ መጻኢ ዘይርጉጽ ክመስል ዝገብርን ኣህጉራዊ ጉዳይ ኣጋጢሙና ኣሎ። ምእንቲ እዚ ኣብ ከምዚ ኩነታት እዚ ሓደ ንነብሱ ከሐድስ፡ ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንመጻኢ ብተስፋ ክጥምት ዝደሊ ሰብኣውነት ክንዛረብ ንደሊ።”

ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ወለዶታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስምዒት ምህዳራዊ ጭንቀት እናሓሰቡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ኩነታት ከባቢ ከመይ ክገድድ ከም ዝኽእል ዘሎ ስግኣት ገሊጾም፡ እቲ መድረኽ፡ ነዚ ስክፍታ’ዚ መልሲ ንምቕራብ፡ ብሓበሬታ ዝተሰነየ ዘተን ግብራዊ ምትእስሳርን ንምትብባዕ ዝዓለመ ምዃኑ የብርሁ።

ካብ ስርዓታት መግቢ ክሳብ “ስነ ምህዳር ነፍሲ”

እቲ መድረኽ ብዛዕባ ዘላቒ ሕርሻ፡ ስርዓታት መግቢ፡ ምሕዳስ ከተማታት፡ ስነ ህይወትዊ ህንደሳ፡ ቁጠባ ሰናይ ህይወት፡ ከምኡ’ውን ስነ ኣሃዛዊ ምህዞ ሰፊሕ ምይይጥን ዝካየደሉ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ሰንሰለት ቀረብ ምግቢ ብኽነትን ጓሓፍን ከም ዚንክን ቀጻልነት ዘለዎ ልምድታት ብኸመይ ይተባባዕ ምህላዉን ዝመያየጥ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ብምምልካት፡ ጎኒ ጎኒ እዞም ኣርእስታት እዚኣቶም፡ እቲ ኣዳለውቲ “ ስነ-ህይወት ኣእምሮን ነፍስን” ኢሎም ዝገልጽዎ ኣስተንትኖታት እውን ዘጠቓልል ከም ዝኾነን፡ እዚ ድማ ምስቲ ብቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲሲ ኣብ ከባቢ 1225 ዝተጻሕፈ መበል 800 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ማህሌት ፍጥረት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይሕብር።

ኣብ ዝተበታተነት ዓለም ተራ ሚድያ

ካልእ ማእከላይ ትኹረት ናይቲ መድረኽ፡ ጋዜጠይናታት ንጉዳያት ከባቢ ብትኽክል ኣብ ምፍታሕ ዘለዎም ሓላፍነት ዝድህስስ ኮይኑ፡ ካውተሩቾ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ “ሎሚ ብዛዕባ ውሁድ ኩለነናዊ ምህዳር ብዙሕ ኢና ንዛረብ፣ እንተኾነ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ እውን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክትረክብ እውን ቀሊል እዩ።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓደ ክፋል ናይቲ ዘተ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ጋዜጠይናታት ዘሳትፍ ኮይኑ፡ ብመጽናዕትን ሓላፍነታዊ ጸብጻብን ግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ክእለ ከም ዝኽእል ዝምርምር እውን ምዃኑ ኣብሪሆም፡

ጋዜጠይናታት ኣብ ስርሖም ምድጋፍ፣ ዘተኣማምን መረዳእታን ሓበሬታን ከምዝረኽቡ ምርግጋጽ ከምዘድሊ ኣስሚሩ፡ “ስርሖም ክቡር ስለዝኾነ፡ ናብ ኣንበብትን ተዓዘብትን ንምስግጋር ቅኑዕ ሓበሬታ ክህቡ ብዝኽእሉ ሰባት ክድገፉ ኣለዎም” ይብሉ።

ኣብ መላእ ጽላታት ዝግበር ዘተ

እቲ መድረኽ ኣብ መንጎ ትካላት ንግዲ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኣብ ዘላቒ ምህርቲ ዝተዋፈራ ኢንዳስትሪታት ኢጣልያን ኣሜሪካን ዝካየድ ምልውዋጥ ዝምልከት እውን ምዃኑ ገሊጹ፡ ዝተፈላለዩ ጽላታትን ኣረኣእያታትን ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ እቲ ተበግሶ፡ ንከባብያዊ ብድሆታት ኣብ ምምላስ ምትሕብባርን ሓባራዊ ሓላፍነትን ንምድንፋዕ ዝዓለመ እዩ - ምህዞታት እደ ጥበብ፡ ባህላዊ ኣስተንትኖን ቅኑዕ ሓበሬታን ከም ቀንዲ ባእታታት ኣብ ምቕራጽ መጻኢ ስጉምቲ ንምውህሃድ እውን ዝዓለም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

19 Mar 2026, 16:43