ኣብ ቀጠር ኣብ ራስ ላፋን ኣብ ዝርከብ ናይ ጸዓት ህንጻ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዱ ዋጋታት ጋዝ ይውስኽ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ኣርባዕተ ፍልስጥኤማውያን ኣንስትን፡ ኣብ እስራኤል ዝነብር ታይላንዳዊ ሰራሕተይናን ረቡዕ ምሸት ኢራን ናብ እስራኤል ብዝተኰሰቶ ሚሳይል ተቐቲሎም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ኣብ እትርከብ ከተማ ቤት ኣዋ ናብ መስተኻከሊ ጸጕሪ እተቐየረ ህንጻ ወቒዑ።
ሰራዊት እስራኤል እቲ ነታጒ ብሚሳይል ኢራን ከም ዝሰዓበ ገሊጹ። ሰበ-ስልጣን ፍልስጤም ከኣ እቲ ጕድኣት ብሰንኪ እቲ እተበላሸወ ናይ እስራኤል መከላኸሊ ሚሳይል ከም ዝሰዓበ ገሊጾም።
ኣብ ካልእ ምዕባለታት ድማ፡ ዋጋ ጋዝ ኣብ ብሪጣንያን ኣውሮጳን፡ ኣብ ሃገረ ቀቐር ኣብ ራስ ላፋን ኣብ ዝርከብ ናይ ጸዓት ህንጻ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዱ ኣጸቢቑ ወሲኹ ይርከብ።
ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኢራን ኣብ ቀጠር ተወሳኺ መጥቃዕትታት ከተቋርጽ ብትሪ ኣጠንቂቑ፤ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ብረቡዕ ኣብ ደቡብ ፓርስ ኣብ ዝርከብ ኑቝጣ ጋዝ ኢራን ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣፍልጦ ከም ዘይብላ ገሊጹ።
እስራኤል ዝሃበቶ መግለጺ ግን የለን። ደቡብ ፓርስ ክፍሊ ናይቲ ኢራንን ቀጠርን ብሓባር ዝጥቀማሉ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቦታ ናይ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ኢዩ። ሃገራት ኣዕራብ ብወገነን፡ ነቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ጐረባብታ ዝፈጸመቶ "ደይመደይ መደይ ኢልካ ዝወርድ መጥቃዕቲ" ዝዅንን ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ካልእ መርከብ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ብ"ዘይተፈልጠ ተወንጫፊ" ከም እተወቕዐት ትካል ንግዲ ባሕሪ ብሪጣንያ ሓቢሩ። ኵሎም ኣባላት እታ መርከብ ብሕይወት ከም ዘለዉ ውን ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ፍጻመ ካብ ራስ ላፋን ብሸነኽ ምብራቕ ኣርባዕተ ማይል ዝኸውን ብናይ ባሕሪ መዓቀኒ ርሕቀት ኢዩ ኣጋጢሙ።
ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ፔንታጎን፡ ንዋይት ሃውስ ነቲ ኣብ ኢራን ዚግበር ውግእ ንምድጋፍ ልዕሊ 200 ቢልዮን ዶላር ኬጽድቕ ከም ዝሓተተ፡ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምምሕዳር ንዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሕቶ ካብቲ ምምሕዳር ትራምፕ ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝገበሮ ወፍሪ ኣጸቢቑ ዝዛይድ ምዃኑን፡ ነቲ ድሮ ዝጠፍአ ኣጽዋር "ብህጹጽ" ንምውሳኽ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።