ሓድሽ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ኢራን ብለይቲ ከም እተፈጸመ ተገሊጹ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
እስራኤል እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣብ ሻውዓይ መዓልቲ ሒዙ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብለይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈንያ፣ ንተቐማጦ ተህራን መሰረት ብምግባር እቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ቦምባታት ካቲ ዝሓለፈ ዝተፈጸመ ደብዳብ "እቲ ዝኸፍአ ለይቲ" ኢሎም ከም ዝገለጽዎ ካብቲ ከባቢ ዝወጹ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ላዕለዋይ መራሒ ነበር ኣያቶላ ዓሊ ካማኒ ክጥቀመሉ ተባሂሉ እተዳለወ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መዕቈቢ፡ 50 ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ብዘጠቓለለ ሓያል መጥቓዕቲ ከም ዝዓነወ ሰበ-ስልጣን ኢራን ሓቢሮም።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ በይሩት "ሰፊሕ ማዕበል" መጥቃዕትታት ከም ዝፈጸሙ እውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ሰራዊት እስራኤል ኢራን ብለይቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት፡ ስዑዲ ዓረብን፡ ቐጠርን፡ ባሕሬንን ከኣ ነቲ ካብ ኢራን ዝተተኰሰለን ተወንጫፊ ከም ዝዓገታ ጸብጺበን።
ሰራዊት ሓለውቲ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስን፡ ቴል ኣቪቭን፡ መዓርፎ ነፈርቲ ቤን ጉሪዮን፡ ኣብ ሃይፋን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሕንጻ ኣመሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ከም ዘውረደ ገሊጹ።
ጸሓፊ ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ ዝመጽእ እዋን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን እትፍጽሞ መጥቓዕቲ "ብዘደንቕ መገዲ ክውስኽ" ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ገለጹ።
ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዴቪድ ላሚ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጸት ናይ መጀመርታ ብመንግስቲ እተመዘዘት ነፋሪት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ለንደን ስታንስተድ ከም ዝዓለበት ካብ ሃገረ ዖማን ተወሳኺ ናይ ምምላስ በረራታት መደብ ተጌሩ ከም ዘሎን ገሊጹ።
ከምኡው ግብረ-ሽበራውያን መጥቃዕቲ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ብምግላጽ ናብ ቆጵሮስ ብዛዕባ ዝግበር መገሻታት ሓዲሽ ምኽርታት ኣውጺኣ።
ቤት ጽሕፈት ጕደያት ወጻእን፡ ሓባራዊ ሃብትን፡ ምዕባለን ፡ንረብሓታት ብሪጣንያን፡ ዜጋታት ብሪጣንያን ዝትንክፍ፡ ንብሪጣንያ ከም ዒላማ ገይሮም ዝርእይዋ ጕጅለታትን ልዑል ዓለምለኻዊ ስግኣት ግብረ-ሽበራ ከም ዘሎ ገሊጹ።