ኣብ ኬንያ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ዘጋጠመ ሰብኣውን ንውታውን መጉዳእቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ኬንያ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ሰፊሕ ዕንወት ከምዘስዓበን ኣብ መላእ ኬንያ 45 ሰባት ከምዝሞቱን ሰበስልጣን ሓይሊ ጸጥታን መንግስትን ብወግዒ ከም ዝሓበሩን እቲ ሓደጋ ብፍላይ ንርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝጸለወ ኮይኑ፡ ዓበይቲ ጽርግያታት ናብ ሩባታት ቀይሩ፡ መካይን ጸሪጉን ኣባይቲ ኣዕለቕሊቑን ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዘስዓበ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ኬንያ ጠቒሱ የመላኽት።
ዕንወትን ሞትን ምምዝባልን
ኣብ ናይሮቢ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 7 መጋቢት ጥራይ ብርቱዕ ዝናም ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ 23 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ጉጅለታት ኣድሕን ህይወት ብውሕጅ ዝተዓብለላ ከባቢታት ብምፍታሽ ሬሳታት ኣብ ዝረኸቡሉ እዋን፡ ብመሰረት ሓፈሻዊ ሃገራዊ ጸብጻብ ቁጽሪ ሞት እናወሰኸ ይቕጽል ምህላዉ ሰብ መዚ እንክሕብሩ፡ ወሃቢ ቃል ሓይሊ ጸጥታ ኬንያ ማይክል ሙቺሪ ክሳብ ሕጂ 45 ሰባት ኣብቲ ብርቱዕ ዝናም ዝፈጠሮ ከቢድ ምዕልቕላቕ ማይ ከም ዝጠሓሉን ኣብ መላእ ሃገር 2,224 ሰባት ከም እተመዛበሉን ኣረጋጊጹ፡ ጸብጻባት እቲ ከባቢ ከምዘመልክትዎ ድማ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ገዝኦም ክወጹ እተገዱ ሰባት ብኣግባቡ ክዛይድ ከምዝኽእል ክፍለጥ እንከሎ፡ መንግስቲ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ኣባይቶም ከም ዝዓነዎምን ኣብ ናይሮቢን ከባቢኣን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ስድራ ከምዝተመዛበሉን ዝሕብር ዝተረጋገጸ ግምታት እውን ምህላዉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የመላኽት።
እቲ ኩነታት ብዓለም ሓቆፍ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኬንያ ‘ኣዕናዊ’ እንክብል ብምግላጽ፡ እቲ ውሕጅ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ኣባይቲ፡ መሬት ሕርሻን ኣገደስቲ ትሕተ - ቅርጽን ናይ ንግድ ቦታታትን ከምዘዕነወን ህዝቢ ዘድሊ ሓገዝ ንኽረክብ እውን ይንቀሳቐስ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምቑራጽ መጓዓዝያታት
ብርቱዕ ዝናም መጓዓዝያ ብሰፊሑ ከም ዘተዓናቐፈን ጽርግያታት ከም ዘዕለቕለቐን ንናይ ኣየር ጉዕዞታት እውን ከም ዝጸለወን መንገዲ ኣየር ኬንያ፡ በቲ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ምኽንያት ናብ ናይሮቢ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ከቋርጽ ከም እተገደን፡ ካልኦት ድማ ናብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሞምባሳ ናብ ዘሎ መዕርፎ ነፈርቲ ክኣትዋ ከም እተግበረብ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ጉጅለታት ህጹጽ ረድኤት መስመራት መጓዓዝያ ንምምላስን ንዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ንምሕጋዝን ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም፡ ድኹም ትሕተ ቅርጺ መእለዪ ፈሳሲ ማይን ቁጽጽር ዘይብሉ ምስፋሕ ከተማታትን ንጽልዋ እቲ ውሕጅ ከምዘጋደዶ ናይ ከተማን ልምዓትን ጉዳያት ዝከታተሉ ኣካላት ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።
ኣንፈት ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ
ተመራመርቲ ስነ - ፍልጠት፡ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ከም ዝረአ ብምምልካት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መላእ እቲ ዞባ ክልቲኡ ከቢድ ደርቅን ብርቱዕ ዝናምን ከምዝወሰኸ ዘረጋግጽ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ከም ዘቕረበ ዝዝከር ኮይኑ፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ምስ ቅልጡፍ ምስፋሕ ከተማታትን ድኹም መሰረተ ልምዓት መእለዪ ፈሳሲ ማይን ተደሚሩ ከም ናይሮቢ ዝኣመሰላ ከተማታት ንሓደጋታት ውሕጅ ዘለወን ተቓላዕነት ክውስኽ ይገብሮ. ምህላዉ ክኢላታት ይገልጹ።
ጻዕርታት ረድኤት
ጉጅለታት ህይወት ኣድሕንን ሰብኣዊ ትካላትን ዝጠፍኡ ሰባት ምድላይን ንዝተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ሓገዝ ምቕራብን ይቕጽሉ ምህላዎም ክሕበር እንከሎ፡ ሰብመዚ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ዝወቅዕ ብርቱዕ ዝናም ቀጻሊ ህቦብላታት ተወሳኺ ውሕጅን ምፍራስ መሬትን ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎምን ኬንያ ምስቲ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ዝመጸ ሳዕቤናት ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን፡ ጻዕርታት ህጹጽ ረድኤትን ዳግመ ህንጸትን ነቶም ገዝኦም ዝሰኣኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ይቕጽል ምህልዉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ኬንያ ጠቒሱ የረጋግጽ።