ኣብ መላእ ናይጀርያ ዓመጽ ይቕጽል ኣሎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሰሜናዊ ማእከላይ ናይጀርያ ግዝኣት ቤኑዌ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ዕለት 6 ለካቲት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 17 ሰባት ከም እተቐትሉን፡ እዚ ድማ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ካብ ዝተፈጸሙ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ዕጡቓት ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ክዋንደ ዞባ ምባይክዮር ዝርከብ ዕዳጋ ኣንዋሰ ዒላማ ገይሮም ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ድኳናት ከም ዘቃጸሉን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝጨወዩን፡ እቲ ዕዳጋ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝነበረሉ መዓልቲ ቅድሚ ንገለ ክፋል ናይቲ ከባቢ ብሓዊ ኣንዲዶም ከምዝወረሩን፡ ብውሕዱ 17 ሰባት ከም ዝተቐትሉን እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዘይውሕስነት ስግኣት ከምዘዕበዮን ነበርቲ ሰበስልጣን ዞባታትን ፌደራልን ስርሒታት ጸጥታ ከሐይሉን ሰፈራታት ገጠር ካብ ተደጋጋሚ ዓመጽ ክከላኸሉን ብተደጋጋሚ ከም ዝሓተቱ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት ዕለት 3 ለካቲት ኣብ ክልተ ዓድታት ግዝኣት ክዋራ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን፡ ኣብኡ እውን ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ሬስታት ከም እተረኸበን ቁጽሪ ናይ ዝተቐትሉ ካብቲ ወግዓዊ ሓበሬታ ዘቕረቦ ጸብጻባት ክብ ክብል ከም ዝኽእልን ብዙሓት ግዳያት ኣብ ቀረባ ርሕቀት ብጥይት ከምዝተሃርሙን፡ ኣባይትን ድኳናትን ከምዝተቓጸሉን ነበርቲ ናብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ዱር ክሃድሙ ከምዝተገደዱን ይንገር፡
እዚ ምውሳኽ መጥቃዕትታት ኣብ መላእ ሰሜናዊ ምዕራብን ሰሜናዊ ‑ማእከላይን ዞባታት ናይጀርያ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዞባታት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ጃምላዊ ምዝንባልን ምውሳኽ ጥሜትን ሕጽረት መግብን የስዕብ ከም ዘሎ ይንገር።