መግለጺ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕ.ሃ. ንፍልስጤም ስደተይናታት
ኣብ ቓዛ ኣብ መንጎ ሓማስን ሰራዊት እስራኤልን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እኳ እንተተገብረ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተይናታት ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት ዝፍጸም መቕተልቲ ይቕጽል ምህላዉ እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መንጎ ሓማስን ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤልን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እኳ እንተተግበረ ኣብ ቓዛ ሓደ ሰራሕተይና ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ከምዝተቐትለ ትካል ረዴትን ሰራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።
ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት - UNRWA ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣባል ሰራሕተይና እቲ ትካል ዝሓለፈ ዕለት 10 ለካቲት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ራፋሕ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ዝተቐትለ ኮይኑ፡ እቲ ትካል ኣብ ከተማ ቓዛ ብዘጋጠመ መጥቃዕትን ኣብ ካን ዩኒስ እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ፍልስጥኤማውያን ከም እተቐትሉን መሳርሕቱ ከም ዝሕብርዎ እቲ ንይቲ ትካል ሰራሕተይና ኣብ ማእከል ቓዛ ኣብ ጐደና ሳላሕ ኤዲን እናተጓዕዘ እንክሎ ብዝወረደ መጥቓዕቲ ከም ዝተቐትለ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ብመሰረት ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት - UNRWA እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 391 ሰራሕተይናታቱን መሻርኽቱን ከም ዝተቐትሉን ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ጃባሊያ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍረሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
16 Feb 2026, 15:55