ደቡብ ሱዳን፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ህጻናት ኣብ ሓደጋ ሕጽረት መግቢ ይርከቡ ደቡብ ሱዳን፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ህጻናት ኣብ ሓደጋ ሕጽረት መግቢ ይርከቡ  (AFP or licensors)

ደቡብ ሱዳን፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ህጻናት ኣብ ሓደጋ ሕጽረት መግቢ ይርከቡ

ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ልዕሊ 450 ሽሕ ህጻናት ኣብ ሓደጋ ሕዱር ሕጽረት መግቢ ከምዘለዉ ትካል ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምሕባር እቲ ውሽጣዊ ግጭት ኣብ ግዝኣት ጆንግለይ ጃምላዊ ምዝንባልን ምቁራጽ ወሳኒ ኣገልግሎት ጥዕናን ኣመጋግባን የስዕብ ምህላዉ ብምምልካት፡ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣዚዩ ከቢድን ዘስካሕክሕን ምዃኑ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ናይቲ ትካል መግለጺ ተወኪሱ ይሕብር።

ሓደገይና ኩነታት ንህጻናት

ብመሰረት ጸብጻባት፡ ካብ መጀመርታ 2026 ጀሚሩ፡ ኣብ ግዝኣት ጆንግለይ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜናውን ማእከላይን ክፋላት እታ ግዝኣት ኣስታት 250 ሽሕ ሰባት ከም እተመዛበሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ወኪል ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ኖኣላ ስኪነር፡ እቲ ትካል ብዛዕባ እተን በቲ ዓመጽ ብቐጥታ ዝጽለዋ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዘለዎ ዓሚቕ ስክፍታ ኣብሪሃ። "እዞም ከባቢታት ኣብ ህጻናት ዝለዓለ ደረጃ ሕጽረት መግቢ ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና፡ ሕክምና ዘይብሎም ሕጽረት መግቢ ዘለዎም ህጻናት ድማ ከጋጥሞምት ዝኽእል ሞት ብ12 ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ንፈልጥ ኢና፡ ንኹሎም እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ወገናት ነቲ ግጭት ከብቅዕን “ ቅልጡፍ፣ ብዘይ ዕንቅፋት፣ ውሑስን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል መገዲ ንክህሉ ክሰርሑን ህጹጽ ጻውዒት ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ኣፍደገ ዝርከብ ስርዓት

ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ኲናት ህጹጽ ረድኤት ኣብቲ ዞባ ንምብጻሕ ኣዝዩ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዘሎን። ትካላት ግብረ ሰናይ ብሰንኪ እቲ ብወሓይዝን መገዲ ኣየርን ጽርግያታትን ዚግበር ጕዕዞ እገዳ ነቶም ተኣፈፍቲ ህዝቢ ኺበጽሑ ከም ዘይክእሉን ኣብ ግዝኣት ጆንግሊ ሽዱሽተ ዞባታት ድሮ ቀረብ ምግቢ ተወዲኡ ወይ ክውዳእ ቀሪቡ ከም ዘሎን እዚ ድማ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ብዙሓት ከቢድ ጕድለት ኣመጋግባ ዘለዎም ቈልዑ ንሞት ሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ትካል ህጽናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመላኺቱ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣስታት 17 መሳለጥያታት ጥዕና ከም እተዓጽወን እዚ ድማ ምስኡ እተተሓሓዘ ኣገልግሎታት ኣመጋግባ ከም ዝተቛረጸን፡ ናብቲ ዝያዳ  ሰብኣዊ ሓገዝ ዜድልዮ ቦታታት ንምብጻሕ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ቕልውላው ምላሽ ንምሃብ ትካል ህጽናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ከም ዘሎን፣ ኣብ ግዝኣት ጆንግሊ እትርከብ ከተማ ኣኮቦ ከም ናይ ዓሶ ሕክምና መድሃኒት ንጕድለት ኣመጋግባ ንዘለዎም ቈልዑ ዝኸውን መግቢ ከምኡውን ንልዕሊ 10,000 ሰባት ንምሕካም ህጹጽ ናይ ጥዕና ሓገዝ ከም ዝበጸሐ ዜና ቫቲካን ናይ ትካል ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ጠቒሱ ይሕብር።

04 Feb 2026, 14:45