ሩስያ፥ ሓድሽ ናይ ሰላም ዘተ ምስ ዩክሬይን ሩስያ፥ ሓድሽ ናይ ሰላም ዘተ ምስ ዩክሬይን   (ANSA)

ሩስያ፥ ሓድሽ ናይ ሰላም ዘተ ምስ ዩክሬይን

ሩስያ ኣብዚ ሰሙን እዚ ምስ ዩክረይን ብሽምግልና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝካየድ ሓድሽ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ ኣቡ ዳቢ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሞስኮ ዕለት 2 ለካቲት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሩስያን ዩክሬንን “ኣብ ገለ ጉዳያት ፍልልያተን ከም ዘጽበባ እንተኣመነት ኣብ መንጎኤን ርኡይ ዘይምርድዳእ ከም ዘሎ ብምምልካት፡ እቶም ዘይተፈትሑ ጉዳያት፡ ዩክሬን ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ካብ ዝጅምር ንደሓር ብሓይልታት ሩስያ ካብ ዝተታሕዘ መሬት ምውጻእ ዝብል ጉዳይ ሩሲያ ብቐንዱ ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ዳሕረዋይ ዘተ ሰንበት ክካየድ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ሰበስልጣን ብገለ ናይ መደባት ምቅይያር ምኽንያት ከም እተናወሐ ኣፍሊጦም ከም ዝነበሩን ሕጂ ድማ ክረምሊን፡ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ካብ ዕለት 4 – 5 ለካቲት ኣብ ርእሰ ከተማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክቕጽል ምዃኑ የረጋግጽ።

መጥቃዕትታት እናቐጸለን እቲ ኲናት ናብ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ሰብኣዊ ወጻኢታት ኣዚዩ ዘሰንብድ ከም ዝኾነ እዩ ዝንገር፡ ብናጻ ተኸታታሊ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ ዩክሬን ሩስያ ልዕሊ 1.24 ሚልዮን ክሳራ ሰራዊት ከምዘጋጠማ ትገልጽ - ብተወሳኺ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ማእከል ስነ ሜላውን ኣህጉራውን መጽናዕትታት ዝሃቦ ትንታነ፡ ብኽልቲኡ ወገን ዘጋጠመ ወተሃደራዊ ክሳራታት ብጠቕላላ ናብ ክልተ ሚልዮን ክቐርብ ከምዝኽእልን፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝካየዱ ቀተልቲ ግጭታት ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ከም ዝገብሮ የመላኽት።

እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ክካየድ እዩ ዝበሃል ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ዋላ’ውን ቀታሊ መጥቃዕትን ዕንወት ትሕተ ቅርጽታት ኣብ መላእ ዩክረይን ንመዓልታዊ ህይወት ይጸልዎ እኳ እንተሎ እቲ ተነቃፊ ተስፋ ይመሓየሽ ምህላዉ እዩ ዘጒልሕ።

03 Feb 2026, 16:00