ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ መዓት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ መዓት 

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ መዓት

ሓምሳን ሓሙሽተን ሰባት ዝጸዓነት ናይ ጎማ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምግልባጣ ክልተ ሕጻናት ዝርከብዎም 53 ስደተይናታት ኣብ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ክንገር እንከሎ ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት (IOM) ካብ መጀመርታ 2026 ጀሚሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱን ወይ ደሃዮም ዘይተረኽበ ስደተይናታት ዝምልከት ናይ መረዳእታ ጸብጻብ ከም ዘውጸአ ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክልተ ናይጀርያውያን ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ እየን ብሊብያውያን ትካላት ኣድሕን ህይወት ዝደሓና። እታ ቀዳመይቲ ካባቲ ሓደጋ ዝደሓነት በዓል ቤታ ከም ዝሰኣነት፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ክልተ ደቃ ከም ዝጠሓሉ ኣፍልጠን። እታ ናይ ጎማ ጃልባ ድሕሪ ምብጋሳ ኣስታት ዱሽተ ሰዓታት ጥራይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዙዋራ ኣብ ዘሎ ማያት ባሕሪ ከም ዝጠሓለትን ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ጥራይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዝነበረ ብርቱዕ ኩነታት ኣየር ብውሕዱ 375 ስደተይናታት ከምዝሞቱ ወይ ከምዝጠፍኡ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት - IOM ከመልክት እንከሎ፡ ካልእ ኣማኢት ተወሳኺ ሞት ከምዘይተመዝገበ ይእመን።

እዚ ተደጋጋሚ ፍጻመታት፡ ነቲ ሓደገይና ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ዝፍትኑ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘጋጥሞም ቀጻልን ቀታሊን ሓደጋታት ዘጉልሑ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2025 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ 1300 ስደተይናታት ከም ዝጠፍኡን፡ "እዚ ዳሕረዋይ ፍጻመ ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ኣብቲ መስመር ሞይቶም ወይ ደሃዮም ዝጠፍኡ ስደተይናታት ብውሑዱ ናብ 484 ከምዘብጸሖን የረጋግጽ።

መስመር ሊብያ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መተሓላለፊ መስመራት ናይቶም ካብ ግጭትን ድኽነትን ሃዲሞም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተይናታት ከም ዝኾነን እዩ ዝፍለጥ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ስደተይታት ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብዙሓት ናይ ስደተይናታት ጀላቡ ወደብ ዝረኽባላ ደሴት ላምፔዱሳን ህዝብን ትሕተ ቅርጽን ንስደተይናታት ዘቕርብዎ እንግዶትን ዘርእይዎ ናይ ምቅባል ሓልዮት ከም ኣብነት ናይቲ ክዕቀብ ዘለዎ ዓሚቝ ባህላዊ ውርሻ እንክብሉ ብምግላጽ ከም ዘመስገኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፡ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ስደተይናታት ጸላእቲ ኣይኰኑን – ኣሕዋትን ኣሓትን ጥራይ ኢዮም፡ ክርስትያን ድማ ብዘይ ርህራሄ ፍትሒ፡ ቃንዛ ናይ ካልኦት ብዘይምስማዕ ሕጋውነት ከምዘየለ ኣብ ምእማን ክቕጽሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽ

12 Feb 2026, 09:15