መራሒ እስራኤል ኣብ ዋሽንግተን ብዛዕባ ኑክሌራዊ ስምምዕ ኢራን ክመያየጥ ኢዩ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንቐዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዋይት ሃውስ ከአንግድዎ ኢዩ፣ ኣብኡ ድማ መራሒ እስራኤል ነቲ ምምሕዳር ምስ ኢራን ጽኑዕ ስምምዕ ክገብር ክምሕጸኖ ትጽቢት ይግበረሉ።
ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን እስራኤልን ከም ዝገለጽዎ፡ ናታንያሁ ንትራምፕ ነቲ ኢራን ተማዕብሎ ዘላ ዩራንዩም ደው ንምባል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ናይ ባላስቲክ ሚሳይል መደባታ፡ ከምኡውን ንከም ሓማስን ሂዝቦላህን ዝኣመሰሉ ጕጅለታት እትገብሮ ደገፍ ንምቍጽጻር ጸቕጢ ክገብረሉ መደብ ኣለዎ።
ኢራን ኣብ ክንዲ እገዳ ንምቅላል ኑክልየሳዊ ንጥፈታታ ደረት ክትገብር ፍቓደኛ ምዃና እኳ እንተ ገለጸት፡ ንዝሰፍሐ እገዳታት ግን ነጺጋቶ እያ።
እዚ ምብጻሕ ናታንያሁ፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንነጀው ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝገበሮ ጕዕዞ ሻድሻይ ግዚኡ ኢዩ።
ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝዀነ ናታንያሁ፡ ኢራን ንናይ እስራኤል ህልውና ኣስጋኢት ከም ዝዀነት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክማጐት ጸኒሑ። ንዋሽንግተን ድማ ነቲ ዞባዊ ጽልዋ ተሄራን ንኽትቃወሞ ብተደጋጋሚ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ።
ምዕራባዊ ገማግምን ቃዛን
ስማዊ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተ ተገብረ፡ ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ኣብ ቃዛ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሲቪል ከም ዝሞቱን፡ ከም ዝቘሰሉን፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ምምዝባል ሕዝቢ ከም ዝቐጸለ ትካላት ግብረ ሰናይ ሓቢሮም።
በቲ ኵነታት ዝተጐድኡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጕጅለታት ወሃብቲ ህጹጽ ረድኤት ክበጽሑ ኣይክእሉን ኢዮም።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እስራኤላውያን ኣጸቢቑ ወሲኹ ካብ ዕለት 20 ጥሪ ክሳዕ ዕለት 2 ለካቲት ልዕሊ 50 ፍጻመታት ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ መጥቃዕትታት ኣብ ሰብን ንብረት ጕድኣት ኣስዒቡ ይርከብ።
ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጕዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ካብ መጀመርታ 2026 ንነጀው ልዕሊ 900 ፍልስጤማውያን ካብ ኣባይቶም ወይ ካብ ማሕበረሰቦም ኪወጹ ተገዲዶም ኣለዉ። እዚ ከኣ መብዛሕትኡ ብሰንኪ ዓመጽን፡ ምዕጋት መሰረታውያን ነገራትን፡ ምፍራስ ኣባይትን ዝመጸ ኢዩ።
ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጕዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ነቲ ዚህቦ መግለጺ ኣብ ባይታ ንምምራሕ፡ ብዛዕባ እቲ ዝወረደ ጕድኣትን፡ ዘድሊ ሰብኣዊ ረድኤትን ኣፈናዊ ገምጋም ይገብር ከም ዘሎ ገሊጹ።