እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እስራኤል ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ኣብ ሓደ ለይትን ዕለት 1 ለስካቲት ንግሆን ብዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ኣባይቲ ስድራን ህጻናትን ከም እተቐትሉን። ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብቦምባ ቅድሚ ምድብዳባ ኣቐዲማ ዝኾነ መጠንቀቕታ ከምዘይሃበት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እንክሕብሩ፡ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተበጽሐ ስምሞ ተዂሲ ደው ምባል ዝለዓለ ኮይኑ፡
እስራኤል ሓማስ ናይ ተዅሲ ምቍራጽ ስምምዕ ጥሒሱ ቢላ ድሕሪ ዘቕረበቶ ክሲ ሓደ መዓልቲ ጸኒሓ ኣብ መላእ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ተቐማጦን ከምኡውን መደበር ሓይሊ ጸጥታን ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸመትን ሰበስልጣን ኣባይቲ ሕክምና ከምዝበልዎ፡ ካብቶም መጉድኣቲ ዝወረዶም ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሽዱሽተ ህጻናትን ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ስድራ ቤታት ዝመጹ ከምዝርከብዎም ክፍልፈጥ እንከሎ፡ ዳርጋ ኣብ ምሉእ እቲ ኲናት ኩሉ መሳገሪታት ዶባት ናይቲ ግዝኣት ተዓጽዮም ከምዝጸንሑን ፍልስጤማውያን ድማ ንራፋሕ ነቶም ካብቲ ግዝኣት ወጻኢ ሕክምና ዘድልዮም ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከም መስመር ህይወት ከም ዝርእይዎን፡ ኣብኡ ድማ መብዛሕትኡ ትሕተ ቅርጺ ሕክምና ከም ዝዓነወ እዩ ዝፍለጥ።
ካልኣይ ምዕራፍ ውጥን ሰላም
እቲ ኣብ መጀመርታ ድሩት ክኸውን ዝኽእል ምኽፋት እቲ መሳገሪ፡ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሽምግልና ዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ምባል ተዂሲ ቀዳማይ ስጒምቲ ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ኣብ ዝክረ ነገር ናይቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ምዕራፍ ክልተ ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል፡ ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ምሕደራ ሓማስ ናይ ውሽመጥ ቓዛ ምውጋድ ወተሃደራዊ ስራሕን ዳግመ ህንጸት ዝከታተል ሓድሽ መንግስቲ ምቛምን ዝብል ውሳኔ ዘጠቓልል ከም ዝኾነ ክሕበር እንከሎ፡ ሰበስልጣን ፍልስጤም ግን ነቲ ዕለት 1 ለካቲት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ዝተሓደሰ ቅሉዕ ጥሕሰት ስምምዕ ደው ምባል ቶኽሲ ምባል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት መንጐይናታት ሃገራትን እስራኤል እተካይዶ ደብዳብ ደው ከተብሎ ጸቕጢ ክገብሩ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ማእከላይ ምብራቕ ጠቒሱ የመላኽት።
ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ካብ 10 ጥቅምቲ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 509 ፍልስጤማውያን እእስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ከምዝተቐትሉ ይሕብር።