ናይ ኡሮቨርሳ ፋብሪካ ኣብ ቫልጋ ስፔይን ናይ ኡሮቨርሳ ፋብሪካ ኣብ ቫልጋ ስፔይን   (ANSA)

ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ምክልኻል ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ውጥረት ወጻኢታቱ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ብመሰረት ኣህጉራዊ ትካል ስትራተጂካዊ መጽናዕትታት፡ ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ መንጎ ቀጻሊ ጂኦፖለቲካዊ ውጥረት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

መጠን ወሰኽ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ምክልኻል ምስ ዝሓለፉ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ማእከላይ እኳ እንተዀነ፡ ኤውሮጳን ገለ ክፋል ኤስያን ግን ርኡይ ወሰኽ ከምዘመዝገባ ዓለምለኻዊ ትካል ስትራተጂካዊ መጽናዕቲ (IISS) ወተሃደራዊ ሚዛን 2026 ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ይሕብር። እዚ ድማ ቀጻሊ ስክፍታታት ጸጥታን ምቕያር ዞባዊ ቀዳምነታትን ዘንጸባርቕ እዩ።

እቲ ጸብጻብ፡ ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ 2025 ዘርኣዮ ወሰኽ ቀጺሉ፡ ብገምጋም 2.63 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ይገልጽ። እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ2.5 ሚእታዊት ዝበረኸ እዩ።

እቲ ጸብጻብ ኣብ መላእ ዞባታት ዘሎ ዝተፈላለየ ኵነታት እውን ዘመልክት እዩ። መንግስታት ንቐጻሊ ስክፍታታት ጸጥታ ምላሽ ብምሃብን፡ መሻርኽቲ ሃገራት ኔቶ ወተሃደራዊ ሓይልታተን ንምድልዳል ዝኣተውዎ መብጽዓታት፡ ኣብ ዘሐድሳሉ እዋን፡ ወጻኢታት ምክልኻል ኤውሮጳ ብኣስታት 12.6 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ፤ እዚ ድማ ካብ ዓለማዊ ማእከላይ ገምጋም ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ።

 

ኣብዚ ዝተረኣየ ወሰኽ፡ ጀርመን መሪሕ ተራ ሒዛ ትርከብ፤ ኣብ 2025 ልዕሊ 21 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ወጻኢታት ምክልኻል ንኤውሮጳ ዓቢ ኣበርክቶ ገይራ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ 17 ሚእታዊት ዝዛይድ እዩ።

ብኣንጻሩ፡ ዕብየት ባጀት ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ 2025 ንግዚኡ ቐኒሱ ይርከብ። ኣብ ትሕቲ እዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ዝቐረቡ እማመታት፡ ከም መደብ ምክልኻል ሚሳይል “ጎልደን ዶም” ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ 2026፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣመሪካ ልዕሊ 1 ትሪልዮን ዶላር ንክበጽሕ ዝድርኹ ተበግሶታት እዮም።

ከምኡውን ወጻኢታት ምክልኻል ሩስያ ወሰኽ ምርኣይ ቀጺሉ ኣሎ። እንተዀነ ግን ካብቲ ኣቐዲሙ ምስ ዩክረይን ኣብ ዝነበረ ግጭት ብኣዝዩ ዝተሓተ ናህሪ እዩ ዝውስኽ ዘሎ።

ኣብ መላእ ኤስያ እውን ባጀት ምክልኻል ይውስኽ ኣሎ። ቻይና ብዓብላሊ ብጽሒት ትመርሕ ኣላ፤ ኣብ 2025 ወተሃደራዊ ወጻኢታት ካብቲ ዞባዊ ወጻኢታት ዳርጋ 44 ሚእታዊት ይግመት። ካልኦት ሃገራት ኤስያ እውን ናይ ገዛእ ርእሰን ወጻኢታት ምክልኻል ኣዕብየን ኣለዋ።

ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ዘሎ ወጻኢታት እውን ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ። እዚ ድማ ቀጻሊ ዞባዊ ወጥሪን ወተሃደራዊ ድልውነት ንምሕያል መንግስታት ዝወሰድዎ ውሳነታትን ዘንጸባርቕ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወተሃደራዊ ወጻኢታት ክድርት ዝገበርዎ ጻውዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን  መበል 14፡ ሃገራት ንዕጥቃዊ ግጭታት ዓቢ ገንዘብ ከይምድባ ኣጠንቂቖም፣ ኣብ ክንድኡ እቲ ጸጋታት፡ ስርዓታት ጥዕና ንምጥንኻር ክውዕል ከምዘለዎ ኣስሚሮም።

ቅዱስነቶም፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት “ንጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ሕይወት” ኣብ ዝሃብዎ ቃል ምዕዳን፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ቍጠባውን፡ ተክኖሎጅያውን፡ ሎጅስቲካዊ ዓቕምታት ዜህልኽ ናይ ውግእ ኵነታት ስለዘሎ፡ ሕይወት ኣብ ምዕቃብን ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ምርግጋጽን ምትኳር ኣድላዪ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ እዋናዊ ግጭታት ንማሕበረሰብኣዊ መዋቕር፡ እንተላይ ንሆስፒታላት ከም ዚጸልዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ጥዕና ህዝቢ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ጠቒሶም።

ጥዕና ደረት ክግበረሉ ዘይክእል ኣድማሳዊ መሰል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ወጥሪታት ንምክልኻል ብዙሕ ጐድናዊ ስምምዓት ዘማእከለ ሜላታት እንደገና ክጅመር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

 

27 Feb 2026, 13:15