ኣብ ማዳጋስካር ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ጽሬትን ክንክን ጥዕናን ጥዕናን ዘስዕቦ ዘሎ ዓብይ ስክፍታ
ህቦብላ ገዛኒ ኣብዚ ዓመት እዚ ንማዳጋስካር ኣዚዩ ዝሃሰየ ካልኣይ ዓቢ ህቦብላ ኮይኑ፡ 14 ሰባት ዝቐተለን ልዕሊ 31 ሽሕ ካብ መረበቶም ዘመዘበለን ትሮፒካዊ ህቦብላ ፊትያ ስዒቡ ልክዕ ድሕሪ 10 መዓልታት ዘጋጠመ ምዃኑ ይሕበር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰብመዚ ማዳጋስካር ከም ዝገለጽዎ፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ተኸታታሊ ህቦብላ ዝወረደ ናይ ህይወትን ንብረትን መጉዳእቲ ገና ገምጋማት ይካየድ ምህላዉ ሓቢሮም፡ እንተኾነ ግን እቲ ህቦብላ ክሳብ ሕጂ 38 ሰባት ከም ዝቐተለን ካልኦት ልዕሊ 374 ድማ ከም ዘቑሰለን ገዛኒ እተሰምየ ህቦብላ ዕለት 1 ለካቲት ኣብ ጥቓ ቶኣማሲና፡ ቀንዲ ወደብ እታ ሃገር ከምዝበጽሐን፡ ኣባይቲ ከም ዘዕነወን ብዙሓት ከም ዝቐተለን ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ሓደጋ ሓቢሩ፡ ሰበስልጣን ኣብቲ እቲ ህቦብላ ከቢድ ጽልዋ ዘሕደረሉ ዞባታት ኵሉ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸውን ከም ዝገበረ ይሕብሩ።
መራኸታትን ማእከላት ሓይሊ ኤለትሪክን ከም ዘዕነወን ኣስታት 250,000 ንመጉዳእትን ምምዝባልን ከም ዘቃለዐን፡ ኣብ ርእሲ እቲ ህጹጽ ድሌት መግቢ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ማይን ክንክን ጥዕናን ከስዕቦ ዝክእል ጽልዋ ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ እንክብል ከም ዘጠንቀቐን እዚ ድማ ድሮ ነቲ ዘሎ ድኽነትን ቀረብ ድሩት ማይን ብዝለዓለ ደረጃ ከብእሶ ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ህቦብላ ንፋስ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ወርሒ ሕዳር ክሳዕ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘሎ እዋን ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ማዳጋስካር ድማ ኣብ ዓመት ዳርጋ 12 ብርቱዕ ማዕበል ዘጋጥማ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
16 Feb 2026, 15:52