ኵነታት ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ሕጻናትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ትካል ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊት ኤቫ ሂንድስ ኣብ ሱዳን ን10 መዓልቲ ድሕሪ ዘካየደቶ ምብጻሕ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ስፍሓት ምግዓዝን ዝተፈነጫጨለ መልክዕ እቲ ኲናት ከምኡውን ውድቀት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ኣብ ዘስካሕክሕ ኲነታት ንኽነብር የገድድ ኣሎ - ቢላ - ሱዳን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዛ ኣብ ዘስካሕክሕ ውግእ ከም እትርከብ ኣዘኻኺራ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) እተገብረ ግጭት ልዕሊ 150,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 10 ሚልዮን ንኽመዛበሉ ከም ዘገደደን፡ ሕጽረት ምግቢ እውን ከም ዘስዓበን ብምርግጋጽ፡ ኣብ ታዊላ ዘሎ ዅነታት ኣዝዩ ዘሰንብድ ምዃኑ ሓቢራ፡ ካብ 500,000 ክሳዕ 600,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብኡ ተዓቝይቦም ከም ዘለዉን ኣብ ውሽጢ እቲ ሰፊሕ ግዝያዊ መዕቈቢ ክትጸንሕ ኣዝዩ ኸቢድ እውን ምዃኑ ከም ዝሓበረት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ህጹጽ እዋን“
ኣብ መንጎ እዚ ኩነታት እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ፡ ትካል ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ንልዕሊ 140 ሽሕ ህጻናት ክኽተቡ ከም ዝገበረን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ሕጽረት መግቢ ዘስዕቦ ካብ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕማን ንኽሓውዩ ዝሕግዝ ክንክን ጥዕና ንምቕራብ ይጽዕር ከም ዘሎ ኣመልኪታ፡ ብጀካ እዚ ዝስተ ማይ ናብ ንቡር ብምምላስ፡ ግዝያዊ መምሃሪ ትካላት ብምቛም፡ መግብን ስምዒታዊ ደገፍን የቕርብ ከም ዘሎን እዚ ኣገልግሎት እዚ “ኣዝዩ ጻዕሪ ዝሓትትን ዘይተረጋገጸን እውን ምዃኑ ሓቢራ፡ "ደቂ ሱዳን ብህጹጽ ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ወሳኒ ስጉምትን የድልዮም። ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱን ተቓላዕቲ እታ ሃገር ዘጋጥሞም ዘሎ ራዕዲ ዓሚቝ እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።