ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጉተረሽ፡ ስርዓት ዓለም ኣብ ኣፍደገ ምፍራስ ይርከብ ኣሎ ኣንክብል የጠንቅቕ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጉተረሽ፡ ስርዓት ዓለም ኣብ ኣፍደገ ምፍራስ ይርከብ ኣሎ ኣንክብል የጠንቅቕ 

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጉተረሽ፡ ስርዓት ዓለም ኣብ ኣፍደገ ምፍራስ ይርከብ ኣሎ ኣንክብል የጠንቅቕ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ላ ሪፓብሊካ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣልያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "ሕጊ ሓይሊ" “ንናይ ሓይሊ ሕጊ" እንተተኪኡ፡ ዓለም ኣብ ዓሚቝ ዘይምርግጋእ ከም እተወድቕ ብምጥንቃቕ፡ እቲ ብመሰረት ኣብ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ዘሎ ፍልልይ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላዋትን፡ ናብ መሰረታዊ ክብርታት ቅዋም ሕቡራት ሃገራት ብምምላስ ክፍታሕ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጉተረዝ ንመኽፈቲ ክረምታዊ ኦሎምፒክ 2026 ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ምስታ  ላ ሪፓብሊካ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ተጠቒሙ፡ ነቲ ኣብዚ እዋንና ዘሎ ስግጢር "ኣብዚ ኣዝዩ ህጹጽ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ኣብ ዘድልየና ህሞት፡ ኣብኡ ወፍሪ ንምግባር ዝወሓደ ዝንባለ ዘለና ንመስል" ዝብል ሓሳብ ከም ጻውዒት የቕርብ።

ምፍራስ ብዙሓ - ጎናውነት

መሰረታት ዓለማዊ ምትሕግጋዝ፡ ብዘይ ተሓትትነት፡ ዘይማዕርነትን ሸለልትነት ዝመልኦ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ምልውዋጥን ይናወጽ ምህላዉ ኣመላኺቱ። ብፍላይ ሓያላት ሃገራት ዘርእየኦ ዘለዋ ንሃገራዊ ረብሓታት ስልጣን ንምድጋፍ ኣህጉራዊ ሕጊ ሸለል ናይ ምባል ዝንባለ ነቒፉ። "ሓያላት ተዋሳእቲ ብዘይ ተሓታትነት ክዋስኡ ከምዝኽእሉ ክኣምኑ እንከለዉ፡ ተኣማንነት ናይቲ ምሉእ ኣብ ሕግታት ዝተመርኮሰ ኣህጉራዊ ስርዓት ይዳኸም። እዚ ድማ ክትግምቶ ናይ ዘይከኣል ሓደገይና ምልክት የቕርብን ንሓደጋ ግጭትን ስቓይ ደቂ ሰባትን የበርኽ።

ኣብ ቅልውላው ዞባታት ትኹረት ምግባር፡ ቓዛን ዩክሬንን

ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ብዝምልከት፡ ኣገዳስነት ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 2803 ንመሬት ቓዛ ኣስሚሩ፡ ሓይልታት እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ክስሕቡን ናብ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ክመርሕ ዘለዎ እሙን ፖለቲካዊ ኣድማስ ክፍጠርን ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ ብዛዕባ ተራ ሓደስቲ ተበግሶታት ከም "ሽማግለ ፈጻሚ ኣ ካል ሰላም" ዝበሃል ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ እንክምልስ "ሓላፍነት ሰላም ዓለምን ኣህጉራዊ ድሕነትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት እዩ። ነዚ ተራ'ዚ ክትክኦ ዝኽእል ካልእ ኣካል የሎን” እንክብል ኣነጺሩ የዘኻኽር።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እውን ኣማእኪሉ፡ ራብዓይ ዓመት ዝኽሪ ወራር ሩስያ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ዝኾነ ይኹን ናይ ሰላም ፍታሕ ኣብ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ዩክሬን ዝተመርኮሰ ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚሩ፡ "ንዩክሬን ዝወረረት ሩስያ እያ እምበር ብኣንጻሩ ኣይኮነን - ቢሉ - ኣብ ልዕሊ በርገሳዊ ትሕተ ቅርጺ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘይ ማይን ኤሌክትሪክን ንንቑርን ኣስሓይታን ዘቃልዕ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ድማ መመኽነይታ ዘይብሉን ብቕልጡፍ ደው ክብል ዘለዎ እዩ" እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍደገ ቍጠባዊ ውድቀት?

ብፍላይ ዘሰክፍ ክፋል ናይቲ ቃለ መሕትት፡ ንቍጠባዊ ኩነታት ሕቡራት ሃገራት ዝምልከት እዩ። ጉተረዝ፡ "ኣዚዩ ኣብ ኣፈት ዘሎ ቍጠባዊ ውድቀት ነቲ ብሉጽ ብዝሓ -  ጎናውነት ዘማእከለ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንከቢድ ሓደጋ ዘቃልዕ እዩ” እንክብል ኣጠንቂቝ፡ እዚ ተራ ጸገም ቍጠብ ንመሳለጢ ዕዮ ዘይኮነስ መዋቕራዊ ቅልውላው ምዃኑ ኣነጺሩ፣ ሓያሎ ኣባላት ሃገራት ድሕሪ ደጊም ግዴታዊ ኣበርክቶአን ከምዘይከፍላ ኣፍሊጠን ኣለዋ። "ኣባላት ሃገራት ወይ ኣብ ምምሕያሽ ቍጠባዊ ሕግታት ክሰማምዓ ኣለወን ወይ ድማ ነቲ ሓቀይና ቍጠባዊ ውድቀት ሕቡራት ሃገራት ክቕበላ ኣለወን" እንክብል የጠንቅቕ።

ኦሎምፒክ ከም ምልክት ተስፋ

ዋላ እኳ ዓለማዊ ኩነታት ዘሕዝን እንተኾነ፡ ኣብ 2026 ኣብ ኢጣልያ ዝካየድ ውድድር ክረምታዊ ኦሎምፒክ ከም ኣገዳሲ ምልክት ምዃኑ ኣስተብሂሉ፡ ኢጣሊያ ነቲ "ናይ ኦሎምፒካዊ ዕርቂ" ዳግማይ ብምብርባራ ኣመስጊኑ፡ ስፖርት ፍልልያት ናይ ምጽባብን ምእላይን ፍሉይ ክእለት ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ዝካየድ ጸዋታ ነቲ ንስፖርት ክረምቲ ብቐጥታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ኣቓልቦ ንምስሓብ ፍልዩ ዕድል እውን ምዃኑ ብምዝኽካር: ብዘይ ጽኑዕ ስጉምቲ፡ ቁጽሪ ምሹኣት ቦታታት ኣብ 2080 ካብ 90 ናብ 30 ጥራይ ኪንኪ ይኽእል እዩ - ቢሉ - ናይ ሓቂ ሰላም ክርከብ ዝከኣል ኣብ ክንዲ ኣብ ግጭት ኣብ ምትሕብባር እተመስረተ ብዙሓ ጎናዊ ዓለም ጥራይ ምዃኑ ብምምልካት ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

05 Feb 2026, 15:38