ስምምዕ ሰላም ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብ 2026 ሽልማት ዛይድ ተዓዊቱ ስምምዕ ሰላም ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብ 2026 ሽልማት ዛይድ ተዓዊቱ 

ስምምዕ ሰላም ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብ 2026 ሽልማት ዛይድ ተዓዊቱ

ኣህጉራዊ ሽልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት 2026 ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ከምኡ’ውን ንኣፍጋናዊት ተጣባቒት መሰል ትምህርቲ ዛርቃ ያፍታሊ ከም እትወሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተዓወቲ ሽልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት 2026 ዕለት 19 ጥሪ ብወግዒ ከም እተሓበረን፡ ብመሰረት ወግዓዊ መግለጺ፡ ስነ - ስርዓት ሽልማት ዕለት 4 ለካቲት ማለት ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝኽሪ ናይቲ ሽልማት መስራቲ ክካየድ እዩ።

እቶም ተሸለምቲ ናይ ሪፓብሊካዊት ኣርመንያን ሪፓብሊካዊት ኣዘርባጃንን ዕለት 8 ነሓሰ 2025 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ዝኸተሙ ከምኡ’ውን ኣብ ኣፍጋኒስታን ንነዊሕ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰለን ክይገሃስ እትጣበቕ ዛርካ ያፍታሊ ምዃኖም ከም እተሓበረን

እዚ ኣህጉራዊ ሽማግለ ካብ ካውካሰስን ኣፍጋኒስታንን ንዝመጹ ተዓወትቲ ክወሃብ ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የተዘኻኽር።

ሰላም ከም ቀጻሊ ጉዕዞ

እቲ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ካውካሰስ እተገብረ ስምምዕ ኣፍልጦ ንምሃብ እተገብረ ውሳነ፡ ክልቲአን ሃገራት "ናይ ሰላምን ዘተን ባህሊ ንቡር ንግባርን ግጭት ንምፍታሕን" ዝተገብረ ጻዕሪ ኣፍልጦ ዝህብን ከምኡውን ዕርቂ "ሓደ ተግባር ዘይኰነስ ቀጻሊ ጕዕዞ" ምዃኑ ዘመላኽትን እቲ ስምምዕ ውጽኢት ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ካውካሰስ ዝጸንሐ ግጭትን ሰብኣዊ ስቓይን ደው ንምባል ዝዓለመ "ኣርሒቑ ብዝርኢ መሪሕነት ዝተሰነየ ታሪኻዊ ውሳነ" ምዃኑ የስተብህል።

መራሔ መንግስቲ ኣርመንያ ኒኮል ፓሺንያን ነቲ ሽልማት "ነቲ ታሪኻዊ ስምምዕ" ንምድጋፍ እተገብረ ጻዕርታት ኣፍልጦ ዝህብ "ዓብዪ ኽብሪ" እዩ እንክብል ክገልጽ እንክሎ፡ ርእሰ ብሔር ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊየቭ እውን ብወገኑ እቲ ሽልማት ብስም ናይ ነፍሰ ሔር ሼክ ዛይድ ቢን ሱልጣን ኣል ናህያን መስራቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝጽዋዕ ምዃኑን ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ብዓብዪ ኢማም መንበረ ጥበብ ኣል - ኣዝሃርን ዝድገፍ ምዃኑ ብምግላጽ ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ የጒልሕ።

ንኣዋልድ ኣፍጋኒስታን ዝኸውን ድምጺ

ዛርቃ ያፍታሊ ኣብቲ መግለጺ “ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን መሰል ትምህርቲ ንምሕላው ምሉእ ህይወታ ዘወፈየት ተባዕ” እንክብል ብምቕራብ፡ ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ንዝርከቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ንዋታውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ክረኽቡ ብፍላይ ኣብ ኣዝዩ በዳሂ ኩነታት ንዝነብራ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ተስፋ ብምሃብ ዝገበረቶ ውፉይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ብምምልካት፡ ያፍታሊ ተሰላሚት ምዃና ምስ ሰመዐት፡ "ኣዝያ ከምዝተተንከፈት" ብምግላጽ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን "ሓያልን ትርጉም ዘለዎን መልእኽቲ እዩ - ቢላ - እቲ ኣፍልጦ ብፍላይ ኣብተን ብመርበብ ትምህርተን ዝከታተላ ተማሃሮን ኣብ ዛዕባ ሰላም፡ ጸጥታን ኣመራርሓን ስነ ምትህርቲ ንዝከታተላ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ተስፋን ትብዓትን ዝህብ እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዘተን ሓቢርካ ምንባርን ምድንፋዕ

እቶም ተዓወትቲ፡ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሰ ቶሎንቲኖ ደ ሞንዶንሳ ዝርከብዎ ብናጻ ኣህጉራዊ ዳያኑ ዝተመርጹ ኮይኖም፡ ዋና ጸሓፊ ሽልማት ዛይድ ዳይና መሓመድ ዓብደልሰላም፡ ንኣርመንያን ኣዘርባጃንን ነዚ ሽልማት ክሕረያ ንባዕሉ፡ ናይ ዘተ ባህልን ሓባራዊ ህይወትን ምድንፋዕን ምዕባይን” ዝብል ተልእኾ ናይቲ ሽልማት ዘንጸባርቕ እዩ” ቢሉ፡

እቲ ስምምዕ ሰላም ነቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ካውካሰስ ዝጸነሐ ወጥርን ግጭትን ከብቅዕ ብምግባር “ንኽልቲኡ ህዝብታት ናይ ሓባርን ዝያዳ ውሑስን መጻኢ ድልዱል መሰረት ዘንብርን” እዩ እንክብል ይሕብር።

ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF ሓላፊት ፈጻሚ ኣካል ካትሪን ራስል፡ ብፍላይ ዛርካ ያፍታሊ፡ ብዓሚቝ ብድሆታት ኣብ ዝተለለየ ኩነታት፡ ኣብ ምትብባዕን ምብርታዕን ደቂ ኣንስትዮ ንዝገበረቶ ተወፋይነት ኣፍልጦ ዝህብ ሽልማት እዩ ከም ዝበለትን፡ ሓላፊት ርእሰ ብሔራዊ ምምሕዳር ኡዝቤኪስታን ሳይዳ ሚርዚዮየቫ ወሲኻ፡ ምርጫ ተሸለምቲ 2026 ንሰላምን ሰብኣዊ ክብርን ኣህጉራዊ ግብረ ገባዊ ተወፋይነት ዘንጸባርቕን ንማሕበረሰብ ዓለም ዝተሓደሰ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ዘመሓላልፍን እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ሽልማት እዚ ኣብ 2019 ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣህዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ሸኽ ኣሕመድ ኣልታየብን ኣብ ኣቡዳቢ ዝተኸተመ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተደረኸ፡ ኣብ ሕድሪ ሸኽ ዛይድ ቢን ሱልጣን ኣል ናህያን ዝተሰረተ ሽልማት ዛየድ፡ ኣብ ክብርታት ሰብኣዊ ሕውነት ዝጸነዐ ዝያዳ ሰላማዊ፡ ስኒትን ርህሩህን ዓለም ንምህናጽ ኣበርክቶ ዝገብሩ ውልቀሰባትን ትካላትን ዘኽብር ኮይኑ፡ እዚ ሽልማት ካብ ዝቐውም ኣትሒዙ ካብ 19 ሃገራት ንዝተዋጽኡ 19 ሰባት ከም እተወሃበ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

21 Jan 2026, 14:43