ድለ

ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ምጉዳል ምወላ ኣብ የመን ሰብኣዊ ኵነታት ንሓደጋ ይቃላዕ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ምጉዳል ምወላ ኣብ የመን ሰብኣዊ ኵነታት ንሓደጋ ይቃላዕ  (ANSA)

ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ምጉዳል ምወላ ኣብ የመን ሰብኣዊ ኵነታት ንሓደጋ ይቃላዕ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዋላ’ኳ ድሌታት እናወሰኸን ስርዓተ ጥዕና ብጠቕላላ ናብ ምፍራስ ገጹ የብል እውን እንተሃለወ ንየመን ዝሓንጸጾ መደባት ሰብኣዊ ረድኤት 25 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝምወል ይገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስርዓት ጥዕና የመን ንዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን ትሑት ወፍርን ከም ዝደኸመ ካብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ዝወጸ ጸብጻብ ከመላኽት እንከሎ፡ እቲ ዕለት 6 ጥሪ ዝወጸ ዝተዘርግሐ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ጸብጻብ፡ 453 መውሃቢ ክንክን ጥዕና ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉ ናይ ምዕጻው ሓደጋ ከም ዘጋጠመን እንከረጋግጽ፡ እዞም መሳለጥያታት ኣብ 22 ዞባታት ዝተዘርግሑ ኮይኖም፡ ኣባይቲ ሕክምና፣ ተንቀሳቐስቲ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ማእከላት መባእታዊ ማእከላት ጥዕናን ዘጠቓልል ምዃኑ ይሕብር።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ የመናውያን ሰፊሕ ሕጽረት መግቢ፡ ዘይውሑስ ማይን መጸራረይን፡ ለበዳ ሕማማት፡ ከምኡ’ውን ሕጽረት መግቢ ይጻወሩ ከም ዘለዉን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ምጉዳል ተበጻሕነት ክንክን ጥዕናን ኣገልግሎት ኣዴታትን ህጹጽ ሕክምናን የጋጥሞም ከም ዘሎን፡ እዚ ምጉዳል እዚ ንመንግስቲ ዝቆጻጸሮም ከባቢታትን ኣብ ትሕቲ ጭቡጥ ስልጣን ሑቲ ዝርከቡን ዝጸሉ ምዃኑ ዘረጋገጸ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣስዒቡ፡ ኣቐዲሙ ኣብ 2025 ኣብ ምምሕዳር ማሪብ ብዘጋጠመ ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተመዛበሉን እንከመላኽት፡ ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ህጹጽ ቀረብ ቀጺሉ ድማ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምሃብ ኣባይቲ ስድራ ካብቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብዝቐልጠፈ ክሓውዩ ከምዝሓገዘ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣህጉራውያን ትካላት ዝወሃብ ምወላ ምጉዳል ከቢድ ጸገም የስዕብ ምህላዉን፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብዘቕርብኦ ኣገልግሎት ኣድሕን ህይወት ነቲ ኣብ የመን ኣጋጢሙ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ሰብኣዊ ቅልውላው ምላሽ ንኽህባ ዓቕመን ድሩት ከም ዝገበሮን ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ሓቢሩ፡ የመን ኣብ መንጎ መንግስቲ የመንን ዓመጽቲ ምንቅስቓስ ሑቲን ንዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ተጻዊራ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም እትርከብ እውን ብምዝኽካር፡ የመን ኣብ መንጎ መንግስቲ የመንን ኣብ 2014 ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝቈጻጸራ ዓለወይና ምንቅስቓስ ሑቲን ንዓሰርተ ዓመት ዝጸንሐ ግጭት ዘጋጥማ ኮይና ገና ኣብ ውጥረት እውን ከም ዘላን ኣብዚ ቐረባ ዓመታት መጠነ ሰፊሕ ኲናት እኳ እንተ ነከየ እቲ ውጥረት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ግን ሓድሽ ኲናት ናይ ምብራዕ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣመላኺቱ፡ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ምውህሃድ ሕቡራት ሃገራት፡ ለገስቲ ንሰብኣዊ ተልእኾኦም ዝህብዎ ደገፍ ክውስኹ ጸውዒት ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ህዝቢ የመን ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘለዎ ካብ ተወሳኺ ምዕጻው ኣገልግሎት ከም ዘጠንቀቀ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

06 Jan 2026, 23:16