ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ሓላፊ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንዋና ሓላፊ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA) ፊሊፕ ላዛሪኒ ዕለት 12 ጥሪ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ፡ ድሕሪ እዚ ርክብ ላዛሪኒ ብዛዕባ እቲ ምስ ቅዱሰንቶም ዘካየድዎን ኣብ ፍልስጥኤም እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዋና ሓላፊ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA) ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየዶ ርክብ፡ ብዛዕባ ዕዮ እቲ ትካልን ኣብ ፍልስጥኤም ዝህቦ ኣገልግሎት ከቋርጽ ብመንግስቲ እስራኤል ዝተዋህበ ውሳኔ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ምስ ቅዱሰንቶም ከም እተዘራረበ ሓቢሩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፍልስጥኤም ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዛዕባ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ናይታ ናብ ካልእ ጉዳያት ክትጥምት እትፍተን ዓለምን ኣማኣኪሉ ሰፊሕ መግለጺ ይህብ።

ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14

ኣብቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየዶ ርክብ ብዛዕባ ቓዛ፡ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ብቕልጡፍ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት፡ ከምኡውን ኣብቲ ፍታሕ ዘይብሉ ግጭት ዜምጽኦ ሰፊሕ ዞባዊ ሳዕቤናት ዘተኰረን ብዛዕባ ግደ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA)፡ እቲ ትካል ተግባራዊ ዝኾነ ኣማራጺ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ቓዛ ወይ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ሃንደበት ከይሰርሕ ምኽልካል እንታይ ማለት ምዃኑ እውን ከም እተመያየጠ ሓቢሩ።

'ግዝያው'ን ውጽኢት 'ግዝያውነትን'

ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA) ቅድሚ ልዕሊ ሰብዓ ዓመት ከም ግዝያዊ ስጒምቲ ዝተፈጥረ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክሳብ ዝረክብ ጥራይ ዝጸንሕ ሰብኣዊ ድልድል እዩ። ቀጻሊ ህላወኡ ድማ ናይ መንግስቲ ተቕዋማዊ ውድቀት ዘይኰነስ ዝኽተሎ ዘይፖለቲካዊ መርትዖ ምዃኑ ኣብሪሁ፡  "ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ሒደት ዓመታት ጥራይ ከም ዘድልየን ዝብል እምነት ነይሩ። ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA ሎሚ እውን ከም ግዝያዊ ግን ከኣ ነባሪ ትካል ህልው ምዃኑ፡ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንጸገም ህዝቢ ፍልስጤምን ንግርጭት እስራኤልን ፍልስጥኤምን ነባሪ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረክብ ስለዘይከኣለ እዩ - ቢሉ - ምስ ግዜ ዕማም እቲ ትካል ረድኤት እናማዕበለ ከም ዝመጸን፡ “ንዝሓለፉ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብቐንዱ ውድብ ሰብኣዊ ልምዓት እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ሓንቲ ግዝኣት ንነበርታ ብንቡር እትህቦ፡ ትምህርትን መባእታዊ ክንክን ጥዕናን እዩ ዘቕርብ” ይብል።

ብዝሰርሕ ስርዓት ምሕባን።

ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA) መሰላትን ዕድላትን ኣብ ዝተገደበሉ ቦታታት እውን እንተኾነ፡ ትርጉም ንቡር ስምዒት ክህብ ፈቲኑ እዩ። "ፍልስጥኤማውያን ስደተይናታት ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ተመርኲሶም መነባብሮ ንኸይረኽቡ ተኸልኪሎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም፡ ብምባል ኣብ ሊባኖስ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ቀይድታትን ኣብ ቓዛ እተገብረ እገዳን ጠቒሱ። እዚ ድማ ብፍላይ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናተጋህደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ረድኤት ጽግዕተይና ምዃን ኣዕብይዎ እዩ። እዚ ጽግዕተይናነት ድማ ንናይ ሓደ ሰብ ስምዒት ክብሪ ይጸልዎ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ግን ብዙሓት ፍልስጥኤማውያን ስደተይናታት በቲ ትካል ረድኤት ዘቕረቦ ስርዓተ ትምህርቲ ኣዝዮም ከም ዝሕበኑ ብምርግጋጽ፡ ብዛዕባ ቀረብ ህንጸትን ትምህርትን ዘይተተንከፈ ጉዳይ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ብምምልካት፡ "መሬት ተመንዚዑ፡ ገዛውቲ ተመንዚዑ እዩ። ትምህርቲ ግን ተመንዚዑ ኣይፈልጥን፡ "ኵሉ ሳዕ ሓበንን ተስፋን ዝሓሸ መጻኢ እዩ።"

ምምሃር 'ንቡርነት'

እዚ ተስፋ እዚ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ይፍተን ኣሎ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቦምቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝ ከምኡውን ንሞት ዝዓብዩ ወለዶታት ንቡርን ተስፋን ምምሃር ኣዝዩ ኸቢድ ብድሆ ምዃኑ ላዛሪኒ ሓቢሩ፡ ኣብ ቓዛ ዚነብሩ ቘልዑ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ መዓልታዊ ሰፊሕ ዕንወት ኣሕሊፎም እዮም። "ኵላቶም ኣዝማዶም ስኢኖም እዮም። ብዙሓት ተጐዲኦም እዮም። ኣዕሩኽ ስኢኖም እዮም።" እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ንዓሰርተታት ዓመታት "ኣገዳስነት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት" እተማህሩ ብምዃኖም እዚ መሰላት እዚ "ንዓታቶም ዝምልከት ምስ ዝኸውን ብጋህዲ ዕሽሽ ከም ዝበሃል የዘኻኽሩና።

"ኣዝዩ በዳሂ እዩ። ይኹን እምበር ተስፋ ኽንቈርጽ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብዚ እዋን እዚ ብኣማኢታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣዋልድን ኣወዳትን ኣብ ፍርስራስ ዝነብሩ ዓሚቝ ስቓይ ስለ ዝወረዶም ናብ ናይ ትምህርቲ ሃዋህው ክምለሱ ኣለዎም፡ ዳግመ ህንጸት ምጽባይ ንገዛእ ርእሱ ካልእ ዕንወት ከም ዚኸውን” እንክብል ድማ ኣጠቂቑ፡ "ሕጂ ትምህርቲ ክንቅጽል እንኽእለሉ መገድታት ከነናዲ ኣሎና፣ እንተ ዘይኰይኑ ዝጠፍአ ወለዶ ክህልወና ኢዩ፡ ሳዕቤኑ ድማ ካብ ቓዛ ንላዕሊ ክዝርጋሕ ኢዩ። ነዚ ወለዶ እዚ እንተ ኣጥፊእና ኣብ መጻኢ ዝያዳ ዘርኢ ጸንፈይናነት ኽንዘርእ ኢና" ይብል።

ምወላ ንትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA)

ይኹን እምበር እዚ ህጹጽነት እዚ ኣብ ጐድኒ ውሳነታት ገሊአን ለገስቲ ሃገራት እዩ ዚርከብ። ገሊኦም ብዛዕባ ህይወት በርገሳውያን ዓሚቝ ሻቕሎት ይገልጹ ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ንትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA) ዚወሃብ ገንዘብ ደው ኬብልዎ ወይ ከም ዚቈጻጸርዎ ይገልጹ። ላዛሪኒ "ስቓይ ደቅሰብ ንምቅላል ዝገበርካዮ መብጽዓ ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝዓበየ ኣሰር ዘለዎን ቀንዲ ወሃቢ ትምህርትን ህዝባዊ ጥዕናን ዝዀነ ከም ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልጥኤም ስደተይናታት (UNRWA) ንዝኣመሰላ ውድባት ገንዘብ ከተመሓላልፍ ፍቓደይና ብዘይምዃንካ እንታይ ተሰማሚዕካ?" ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ መግቢ ጥራይ እተሓጽረ ከም ዘይኰነ ኣጕሊሑ’ መዕቈቢ የድልየካ እዩ። ክትባት የድሊ ጽሩይ ማይ ምቕራብ የድሊ። መባእታዊ ትምህርቲ የድልይ። ዝበዝሕ ካብዚኣቶም ኣገዳስነታት ብትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA)ጥራይ ኢዩ ዝወሃብ። ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ምላሽ ትድግፍ ምዃንካን ሰፊሕ ወሳኒ ንጥፈታት ምድጋፍ ምእባይን ፍልልይ ከም ዘሎ ዜጠራጥር ኣይኰነን" ይብል።

ድሕሪ 'ተኹሲ ምቁራጽ' ዘሎ ሓቂ

እቲ ተዅሲ ምቍራጽ መዓልታዊ ዓመጽ ክንክይ እንተገበረ፡ ግን ስቕታ ምስ መፍትሒ እቲ ግጭት ምምስሳል ከይህሉ ወይ ከምኡ ጌርካ ምርኣይ ከይህሉ የጠንቅቕ። "እቲ ኲናት መዓልታዊ ይቕጽል ኣሎ። መዓልታዊ ምጥሓስ ኣሎ። እገዳታት ገና ይቕጽል ኣሎ። ጥሜት ቍሩብ ነክዩ ኪኸውን ዝከኣል እኳ እንተ ዀነ ድኽነት ግን ኣይነከየን። ኣብ ርእሲ እቲ ምግቢ "እዚ ህዝቢ እዚ ዳርጋ ዅሉ ነገር ዘድልዮ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጋዚጠይናታት ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እኣምን እየ፡ ቓዛን ፍልስጥኤምን ኣብ ቀንዲ ዛንታታት ኲናት ኣትየን እየን፡ ብዙሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተገይሩ እዩ። ናይ ጋዜጠይናታት ግደ ብነቐፌታን ብጥንቃቐን ብምስተዓልን ብቐጻሊ ኣቓልቦ ምሃብ ኢዩ። ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ዋላ ሓደ ኣህጉራውያን ጋዜጠይናታት ናብ ቓዛ ክኣትዉ ኣይተፈቕደሎምን። እዚ ክቕየር ኣለዎ። ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ጋዜጠይናታት ኣዝዩ ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም እዮም፣ ብኣህጉራውያን ጋዜጠይናታት ድማ ደገፍ የድልዮም እዩ" ይብል።

ደገፍ ቤተ ክርስቲያን

ነዚ ናይ ምጥንጣን ወይ ንበይንኻ ናይ ምሕዳግ ስምዒት ኣብ ግምት ብምእታው ቤተ - ክርስትያን ንፍልስጥኤማውያን እትገብሮ ደገፍ ፍሉይ ትርጕም እዩ ዘለዎ። እዚ ነቶም ድሮ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝባኑ ዝሃቦም ኰይኑ ዝስምዖም ፍልስጥኤማውያን ናይ ቅርበትን ሕብረትን መልእኽቲ ኢዩ - ቢሉ - ኣብ መላእ እቲ ዞባ ንዝርከቡ ውሑዳት ሰባት ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኢዩ። እዚ ደገፍ እዚ ንትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA) እውን ግብራዊ እዩ። ናይ ስራሕ ቦታና ኽንሕልዎ ኣሎና። ኣካል ናይቲ መፍትሒ ከም እንቝጸርን ምዃንናን ከነረጋግጽ ኣሎና - ኣብ መጻኢ ትካላት ፍልስጥኤም ኣብ ምህናጽ ሃብቲ ምዃንና ኸነረጋግጽ ኣሎና። ከምኡ እንተ ዘይጌርና ተስፋ ኣበይ ከም ዚኸውን ኣይርድኣንን እዩ" እንክብል ሓላፊ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት (UNRWA) ፊሊፐ ላዛሪኒ ንዜና ቫቲካን ዝሃቦ መግለጺ ይዛዝም።

13 Jan 2026, 16:35