ውድብ ሕቡራት ሃገራት፦ ኣብ ቃዛ ተዅሲ ምቍራጹ ተስፋ ኣምጺኡ፣ ህጻናት ግን ይሞቱ ኣለዉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህጻናት ካብቲ ኣብ ቃዛ እተኻየደ ተዅሲ ናይ ምቝራጽ ውዕል ይጥቀሙ ኣለዉ፣ ዝሓሸ መግቢ ይረኽቡ እኳ እንተዀኑ ህጹጽ ረድኤት ግን ገና እኹል ኣይኮነን ዘሎ።
ምክትል ፈጻሚ ዳይረክተር ሓልዮ ህጽናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ቻይባን ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ "ድሕሪ እዚ ምብጻሕ እዚ ብተስፋን ብሻቕሎትን እየ ዝዛረበኩም ዘለኹ" ክብል ኣመልከተ፣ እዚ ድማ ምስ ምክትል ፈጻሚ ዳይረክተር ውጥን ምግቢ ዓለም ካርል ስካው ናብ ቃዛን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ምዕራባዊ ገማግምን ንሸውዓተ መዓልቲ ዝወሰደ ጕዕዞ ድሕሪ ክያዱ ዝገብሮ ኢዩ ዝንበረ።
"ኵነታት ውሕስነት ምግቢ ተመሓየሹ ኢዩ፣ ጥሜት እውን ተወጊዱ ኣሎ" ድሕሪ ቢሉ ስካው፣ ወሲኹ ድማ መብዛሕትአን ኣባኡ ዝርከባ ስድራ ቤታት "እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ይበልዑ" ሓድሓደ ግዜ ድማ ክልተ ሳዕ ከም ዝምገቡ ገለጸ።
ዓበይቲ ኲናታት ድሕቲ ምቝራጾም፣ ረድኤት ኣጸቢቑ ወሲኹ ኣሎ፦ ሳላ እቲ ውድብ ሓልዮ ህጻናትን መሻርኽቱን ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ሰባት ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረኽቡን፣ 700,000 ዝኾኑ ሰባት ከኣ ኮቦርታን ክዳውንትን ተዋሂብዎም ኣሎ በለ።
ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ቤተ ሕክምና ኣል-ሺፋ ዝርከብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ቈልዑ ተሓዲሱ ኣሎ፣ “ውጥን መግቢ ዓለም” (WFP) ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት መቝነን መግቢ ክዕድል ይርከብ ኣሎ።
መዓልታዊ ውዑይ መግቢ ይቐርበሎም ኣሎ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቈልዑ ኣብ ግዝያዊ ትምህርትታት መሳለጥያታት ናይ ቤት ትምህርቲ መግቢ ይወሃቦም ካልኦት ትካላት ግብረ ሰናይ ድማ ኣድላዪ መዕቈብን ረድኤትን ክህባ ይርከባ ኣለዋ።
ብተወሳኺ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተኣፈፍቲ ስድራ ቤታት ብዝሰፍሐ ናይ ጥረ ገንዘብ ሓገዝ ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ።
እቲ ዅነታት ግና ገና ኣብ እጥረት ኢዩ ዘሎ
እዚ ምዕባለታት እዚ እናሃለወ ኽነሱ፣ ንብዙሓት ቃዛውያን ኵነታት መነባብሮ ጽንኩር እዩ ዘሎ፣ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ማዕበል ባሕሪ ነቲ ኸባቢ ስለ ዘጥቅዖ፣ ስድራ ቤታት ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።
ሰበ-ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት 1.3 ሚልዮን ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተመዛቢሎም ግቡእ መንበሪ የድልዮም ከም ዘሎ እውን ኣጠንቂቖም።
ካብቲ ተዅሲ ምቍራጹ ንነጀው እንተ ወሓደ 100 ቈልዑ ሞይቶም፣ 100,000 ዝዀኑ ድማ ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ ይሳቐዩ ኣለዉ፣ ቀጻሊ ኽንክን ድማ የድልዮም ኣሎ።
ክረምቲ ኻብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብውሕዱ 10 ቘልዑ ብሰንኪ ሃይፖተርሚያ ሞይቶም ይርከቡ።
ዕንወት እናሃለወ ኽነሱ ክልቲኦም ሰበ-ስልጣን፣ ህጻናት ትምህርቶም ከም ዝቕጽሉን ስድራቤታት ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስ ዝጽዕሩን ተጻዋርነት ከም ዘለዎምን እውን ጠቒሶም።
ኣብ ምቑራጽ ተዅስን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታትን ተወሳኺ ምዕባለ ዝውስኑ ክልተ ቐንዲ ረቛሒታት ኢዮም ድማ ይብሉ፣ እዚ ድማ ከምቲ ክልቲኦም ሰበ-ስልጣን ዝገለጽዎ ሓያሎ መስቀላዊ መንገድታትን ዶባትን ምኽፋት ካልእ ቀጻሊ ስራሓትን ዘጠቓልል እውን ኢዩ።
"ቈልዑ ቃዛን መንግስቲ ፍልስጥኤምን እንተላይ እታ ማዕበል ዓመጻ ዘጋጥማ ዘሎ ምዕራባዊ ገማግም ድንጋጸ የድልዮም እዩ። ሕጂ ሙቐትን ድሕንነትን ምግብን ትምህርትን መጻእን ዝህቦም ውሳነታት የድልዮም ኣሎ" ድሕሪ ቢሉ ቻይባን፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቶም ኣብ ቃዛ ዝርከቡ ቈልዑ "ኣንፈት ንምቕያር" ዘለዎም ኣጋጣሚታት ክጥቀመሉ ጻውዒት ኣቕረበ።