ኡጋንዳ፡ ሙሰቨኒ ንሻብዓይ ግዜ ዳግማይ ተመሪጹ ኡጋንዳ፡ ሙሰቨኒ ንሻብዓይ ግዜ ዳግማይ ተመሪጹ  (AFP or licensors)

ኡጋንዳ፡ ሙሰቨኒ ንሻብዓይ ግዜ ዳግማይ ተመሪጹ

ልዕሊ 70% ድምጺ ብምርካብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ርእሰ ብሔር ሙሰቨኒ ኣብታ ዕለት ዕለት 15 ጥሪ ህዝባዊ ምርጫ ዝተኻየደላ ኡጋንዳ ተዓዋቲ ከም ዝኾነ ክሕበር እንከሎ፡ ተቓወምትን ሕቡራት ሃገራትን ግን ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ዝነበረ ሃዋሁ ምድንጋራትን ዓፈናን ምፍርራሕን ይኹንኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምርጫ ኡጋንዳ ንመበል ሻብዓይ ግዜ ነቲ ኣብ ስልጣኑ ዘሎ ርእሰ ብሔር ዮዌሪ ሙሰቨኒ ክቕጽል ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ርእሰ ብሔር ኣብቲ ናይ ዕለት 15 ጥሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ 71.65% ድምጺ ብምርካብ ኣብ ልዕሊ ሕጹይ ርእሰ ብሔር ኮይኑ ንምርጫ ዝቐረበ 24.72% ድምጺ ዝረኸበ ተቓዋሚ ሙዚቀይናን ፖለቲከይናን ሮበርት ክያጉላኒ ሰንታቱም ከም እተዓወተ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ እዋን ህዝባዊ ምርጫ ዝተፈጸመ ዕጽዋ መርበባትን፡ ወተሃደራት ምውፋርን፡ ከምኡ’ውን ብጭውያ ሰራሕተይናታት ምቁጽጻር ምርጫ ዝጸለዎ ዝተዛብዐ ዘይፍትሓዊ መስርሕ ምርጫ እንክብል ሮበርት ክያጉላኒ ነቲ ዝተኻየደ ምርጫ ዘይቅቡል እንክብል ኮኒኑ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ብምንጻግ፡ ኡጋንዳውያን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ይንገር።

ጥርዓን ሕቡራት ሃገራት

ወዲ 81 ዓመት ሙሰቨኒ፡ ካብ 1986 ጀሚሩ ንኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ዝሓለፈ ምርጫ ብተዓዘብቲ ኣፍሪቃ፡ "እምነት ህዝቢ ዘበላሸወ" ብናይ ምፍርራሕ ሃዋህው ከምዝተበከለ እንሕብሩ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ርኡይ ሓይሊ ፖሊስ ከምዝተዋፈረን ሓይልታት ጸጥታ ተቓውሞታት ንምክልኻል ይጽዕሩ ከም ዝነበሩ እውን ናይ ወጻኢ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጸብጻብ ከም ዘውጽኡን ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ህዝባዊ ምርጫ "ብሰፊሕ ዓፈናን ምፍርራሕን ኣብ ዝልለ" ሃዋህው ምክያዱ ዝሕብር መግለጺ ከም ዝሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 Jan 2026, 14:34