ታንዛንያ፡ ንኹሉ ዝኸውን ቤት ትምህርቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ ውሽጢ 7 ዓመታት ዝሳለጥ ዝሓንጸጾ ልዕሊ 80 ኣብያተ ትምህርቲ ዘሳተፈ ውጥን ንኸረጋግጽ ዘጋጥም ዘሎ ቍጠባዊ ጸገም ዘሕድረሉ ስክፍታ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ትምህርቲ ንኹሉ ተበጻሒ
እቲ ትካል ግብረ ሰናይ “ነቶም ኣካለ ስንኩላን ከምኡ እውን ቁጠባዊ ዓቕሚ ናይ ዘይብለን ኣባይቲ ስድራ ህጻናት ንምድጋፍ ካብ ትምህርትን መደብ ህንጸትን ከይንጸሉ ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሕን፡ እቲ ኣብ ታንዛንያ ዘሳልጦ መደብ ህንጸት ነቲ ኣብ ታንዛንያ ብሕጊ መባእታ ቤት ትምህርቲ ግዴታውን ንኹሉ ብነጻን ዝብል ዓንቀጽ፡ ብተግባር ግን ብዙሓት ስንኩላን ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት ተበጻሒ ኣብ ጸገም ስለ ዝርከቡ ነዚ ጋግ እዚ ንምምላእን ትምህርቲ መሰል ኩሉ ምዃኑን ብምቅላሕ፡ ነቶም ዝተገለሉ ህጻናትን ማሕበረሰብን ቀዳምነት ብምሃብ ትምህርቲ ንኹሉ ተበጻሒ ክኸውን ተወፋይነቱ ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ ኣካለ ስንኩላን ካብ ዘጋጥሞም ባህላውን ማሕበራውን ቍጠባውን ጸገማት ንኽላቐቑ ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ትካል ግብረ ሰናይ ምዃኑ ይንገር።
ምትሕብባር ንስልጠና
ብጀካ ምስፋስሕ ትምህርቲ ጽፈት ዘለዎ ትምህርቲ ኣብ ምቕራብን ንሰራሕተይናታት ቤት ትምህርቲ ብፍላይ ንስንኩላን ህጻናት ኣብ ርክብን ሜላታት ምምሃርን ዘሰልጥን ኮይኑ፣ ምስ መምህራን ብቐረባ ብምትሕብባር ሓገዛት ይህብ። ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ኣብ ኢጣሊያ መደብ ሸሞንተ ካብ ሺሕ ዝብል ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ኢጣሊያ ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓበይቲ ለገስቲ ትካላት ምትሕብባር ልምዓት ኢጣልያ (AICS)፡ መዋሊ ግብረ ሰናይ ስዊዘርላንድ ተደጊፉ ትምህርቲ ንኹሉ ዝብል ውጥን የሳልጥ ከም ዘሎ ናይቲ ትካል ግብረ ሰናይ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ልዕሊ 80 ኣብያተ ትምህርቲ ተሳቲፈን
እቲ ዝወሃብ ሓገዝን ዝሳለጥ ውጥን ትምህርቲ ንኹሉ ኣዚዪ ኣገዳስን ብፍላይ ዘረጋግጾ ዘሎ ውጽኢት ዝነኣድ ምዃኑ ወኪል እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ ኢጣሊያ ፓውላ ገዚ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣረጋጊጻ፡ ኣብ ተማሃሮን መምህራንን "ዓቢ ምምሕያሽ" ይረኣ ከም ዘሎን፡ "ኣብ ውሽጢ 7 ዓመታት፡ ትምህርቲ ናይ ኩሉ ኹሉ መሰል ዝብል መትከል ንምርግጋጽ፡ ንልዕሊ 80 ኣብያተ ትምህርትን ኣሽሓት ህጻናትን ክንበጽሕ ክኢልና ኣሎና። እዚ መደብ እዚ ብገፊሑ ነቶም ዝተገለሉን ብፍላይ ድማ ኣካላዊ ስንክልና ምኽንያት ውሕስነት ተበጻሕነት ትምህርቲ ዝተነፍጎም ዝምልከት እዩ፡ ብጀካ እዚ እውን ዘድልይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንኽረኽቡ እውን ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምስ ዝዋፈራ ትካላት ግብረ ሰናይ ብምትሕብባር ንዓዪ” ትብል።