ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እታ ብዓመጽ ተዋሒጣ ዘላ ሱዳን ዝሃቦ መግለጺ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ሰራዊት ሱዳንን እተባርዐ ግጭት ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት ኣብ ከባቢ ጃርጂር ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር ብውሕዱ 19 ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉን ካልኦት 27 ሰባት ቅድሚ ኽልተ መዓልቲ ኣብ ሲንጃ ማእከል ከተማ ግዝኣት ሴናር ዓማጽያን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ናይ መንግስቲ መዕረፊ ኣጋይሽን ቀንዲ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈትን ዝፈጸመዎ መጥቓዕቲ ከም እተቐትሉ ይሕብር።
ህልው ኩነታት እቲ ዞባ
ምስሪ እውን ዕለት 9 ጥሪ ናብቶም ዓመጽቲ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ቀረብ ቃፍላይ ዓጊታ ከም ዘጥቅዐት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ። እዚ ሱዳን፡ ሊብያን ምስርን ዘዳብው ከባቢ ማእከል ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን፡ ዕጸፋርስን፡ ነዳዳን ምዃኑ እዩ ዝግመት። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳንን መንግስታዊ ትቕዋማትን ክሕሎ ከም ዝሓተተ ዜና ቫቲካን ካብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ዘሕዝን ሰብኣዊ ቅልውላው
እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ኣብታ ሃገር ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኮይኑ፡ ብቐጻሊ ብዙሓት ናይ ሰብኣዊ ረድኤትን ዛዕባ ሰብኣዉ ጉዳይ ዝግደሱ ጕጅለታት ካብቲ ከባቢ ይወጹ ከም ዘለዉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት ጥራይ 8,000 ሰባት ከም እተመዛበሉን ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ተመዛበልቲ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ልዕሊ 53 ሚእታዊ ዝሽፍን ምዃኑ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።