ሱዳን፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ብዝተኻየደ ግጭት ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ሞይቶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰራዊት ሱዳንን ሰውራዊ ዕጡቕ ሓይልታትን ኣብ ክልተ ከተማታት ዳርፉር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ ሚእቲ ከምዝበጽሐ ምንጭታት ኣገልግሎት ሕክምና ሓቢሮም። ዕለት 3 ጥሪ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታት ኢድ ዝኣተወት ከተማ ኣልዙሩክ ስራዊት ሱዳን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ 51 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብታ ንምዕራብ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ከርኖይ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዘመተ 63 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 17 ድማ ከም ዝቖሰሉ ይንገር።
ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይምርኮሱ
እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ወግእ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰውራዊ ዕጡቕ ሓይልታትን ስሩዕ ሰራዊትን ዝተወልዐ ኮይኑ፡ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞት ከምኡ’ውን ልዕሊ 13 ሚልዮን ውሽጣውን ግዳማውን ተመዛበልቲ ክኾኑ ከም ዘገደደን፡ እዚ ኲናት ሓድሕድ ነታ ሃገር ኣዕንዩ ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው መድርኽ ከም ዝቐየራን፡ ልዕሊ 15 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክሃድሙ ከም እተገዱን፡ ሱዳን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ተመዛበልቲ ቀዳምነት ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን፡ ልዕሊ 26 ሚልዮን ድማ ንኸቢድ ስእነት መግቢ ከም እተቓልዑን ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 2023 ጀሚሩ ብውሕዱ 150 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተፈጠረ ግጭት 30 ወተሃደራት ተቐቲሎም
ዕለት 4 ጥሪ እውን፡ ኣብ ሰሜናዊ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቁጽጻር፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ተቓዋሚ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳንን (SPLA-IO) ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ 30 ወተሃደራት ደቡብ ሱዳን ከም ዝተቐትሉ ወሃቢ ቃል ካልኣይ ግንባር ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን ኣዛዚ ከርቢኖ ያይ ፓዛለ፡ ኤፍ ንእተሰመየ ማዕከን ዜና ስጳይና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ቀዳም ዕለት 3 ጥሪ ኣብታ ካብ ዶብ ሱዳን ንደቡብ ኣስታት ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኩብሪ ጃሙስ ውግእ ከምዝተጀመረን ዕለት 4 ጥሪ ንግሆ እውን ከም ዝቀጸለ ይንገር።