ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ፡ ዓመጽ ሰፋሮ ኣብ 2025 ብ25% ወሲኹ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ፡ ዓመጽ ሰፋሮ ኣብ 2025 ብ25% ወሲኹ  (AFP or licensors)

ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ፡ ዓመጽ ሰፋሮ ኣብ 2025 ብ25% ወሲኹ

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሰፈርቲ ዘውርድዎ መጥቃዕቲ ኣጸቢቑ ክብ ይብል ምህላዉ የረጋግጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ሞት ሰላውያን ሰባት ይቕጽል ምህላዉ፡ ዕለት 13 ጥሪ ኣብ ካን ዩኒስ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ክልተ ህጻናት ድማ ብሰንኪ ቁሪ ከም ዝሞቱ ይንገር። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብሰንኪ ዓመጽ ሰፋሮ ወጥሪ ክብ ይብል ምህላዉ ይንገር።

ቁጽሪ ናይቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፍጽምዎ "ዓሌታዊ ገበናት" ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ብቐጻሊ እናወሰኸ ከም ዝኸደን፡ ኣብቲ እዋን ብድምር 1,720 መጥቃዕቲ ምፍጻሙን፡ ብሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ሃኣሬትዝ እተሰምየ ናይ እስራኤል ዕለታዊ ጋዜጣ ይሕብር።

ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና፡ እዚ ዝንባለ ንጸጥታን ምርግጋእን እቲ ከባቢ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእቱ ስለዘሎ፡ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ዘድሊ ዕዮ ጸጥታ የሳልጥ ከም ዘየሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓይሊ ምልክኻል እስራኤል ናብቲ ከባቢ ወተሃደራት ከዋፍር ይሓስብ

ኣብ 2025 ብሰፋሮ 845 ዓሌታዊ ገበናት ከምዝተፈጸመን፡ 200 ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣርባዕተ ከምዝሞቱን ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ምስቲ 675 ዓሌታዊ ገበናት ዝተመዝገበሉን 149 ሰባት ምስ ዝተቐትልሉ 2024 ክነጻጸር እንከሎ፡ ብኣስታት 25% ወሰኽ ከም ዘርኣየን እዚ ጉዳይ እዚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይሊ ምክልኻል፡ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ኩነታት ንምቍጽጻር ዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ሕቶ ከእተዎ ከም ዝኽእል ብምምልካት፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኸምዚ እንተድኣ ቀጺሉ፡ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ናብቲ ገበናት ዝፍጸመሉ ከባቢታት ብዝሒ ዘለዎ ስሩዕን ዕቑርን ሰራዊት ንኸዋፍር ክግደድ ምዃኑ እቲ ናይ እስራኤል ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ “ምዕራፍ 2” ውጥን ሰላም ማለት ኣተግባብራ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ዘተ ንምስታፍ ልኡኽ ሓማስ ኣብ ምስሪ ከም ዝርከብን ብተወሳኺ ብዛዕባ ምቛም ናጻ ሽማግለ ምሕደራ ቓዛ ክዝትዩ ከም ዝኾኑን ባይቶ ሰላም ነቲ መስርሕ ይከታተሎ ምህላውን ዕለት 14 ጥሪ ድማ ውሳኔ ከም ዝሃበን እዚ ባይቶ ሰላም ብጀካ እቲ ዝመርሖ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ፡ ናይ ኢጣልያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ቀጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምስርን መራሕቲ ዝሓቍፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

14 Jan 2026, 14:23